ትርጉም ህይወት !

Posted on 2012-12-31 · 1370 · 2 · 0

32 resources uploaded

ብፍላጥ ብዘይፍላጥ ተንኮል እተዓጥቀ
ብእከይ ሓሳባት ልቡ ዝመልአ
ሕልና ኣጥፊኡ ዝደቀሰ ዘጽቀጠ
ብብዝሒ ክፍኣት ውሽጡ ዝማሰነ
ሰላም ሲኢኑ ብጭንቀት እተወርሰ
ድቃስ ሓሪምዎ ልዋም ዝስኣነ
ኣብ መገዲ ሞት ዚመላለስ ተስፋ ዝቐበጸ
ብርሃን ስኢኑ ብጸልማት ‘ተኸበ
ምንባሩ ዝጸልአ ትርጉም ህይወት ዝስኣነ
ካብዚ ክድሕን ዶኾን ምደለየ?
ኣሎ ረዳኢ ንዓይ ዝረድአ
የሱስ የድሕን’ዩ ካብ ከምዚ ዝበለ
ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ኣብ መስቀል ዝሞተ
ይኽእል’ዩ ሕጂ’ውን ነቲ ብእኡ ዝኣመነ
ሰላም ይህብ’ዩ ነቲ ናብኡ እተጸገዐ
ህይወት ብምልኣት ከስተማቕራ ንዝደለየ
ትርጉም ህይወት ኣብኡ ‘ላ ኣብቲ ዝተንስአ
ኣብ ልዕሊ ኩሉ ክገዝእ ዝሰልጠነ
ክርስቶስ እቲ ራእስን መድሓንን ዝኾነ
ፈቃር ጎይታ ንኩሉ ዘፍቀረ
ዕረፍቲ ይህብ’ዩ ነቲ ክስዕቦ ዝወሰነ።

“ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፣ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ ፣ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።” (1 ዮሃንስ 5፣ 11-12)

0 comments
Other Poem