ነቲ ዘይመስል

Posted on 2013-02-19 · 1133 · 0 · 2

32 resources uploaded

ዓቐብ ዘይድየብ
ጸላም ዘይግላህ
መፈንጥራ ዘይብተኽ
ጸገም ዘይውዳእ
ክመስል...

ቑስሊ ዘይፍወስ
ንብዓት ዘይድረዝ
ሕቶ ዘይምለስ
ድኻም ዘይሕደስ
ክመስል...

ራኢይ ዘይግለጽ
ተስፋ ዘይምላእ
ሃረርታ ዘይፍጸም
መጻኢ ዘይበርህ
ክመስል...

መጽሓፍ ዘይግንጸል
ማሕተም ዘይፍታሕ
ማዕጾ ዘይራሓው
መቓብር ዘይክፈት
ክመስል...

ሽዑ ነቲ ዘይመስል
ከምስሎ
ነቲ ዘይልውጥ ክልውጦ
የሱስ ይመጽእ እቲ ኩሉ ዝከኣሎ!!

2 comments

ኣምላኽ ይባርኽካ ሃኒባል . ይወስኸልካ ....

እወ ብሓቂ ነገር ከም ቀደሙ ክመሲል እዋን ከኣክል እዩ! ንንቃሕ!
Other Poem