ሓቂ

Posted on 2021-08-28 · 386 · 2 · 0

107 resources uploaded

ሓቂስ ሓቂ
ሓቂስ ወርቂ
ቢልካ ምዝራብ ሓቅስ
ኣይወርቂ ኣይጽድቂ

ሓቂ ሓርነት እንድያ
ቶግ ኣቢልካ
ኣብ መገዲ ባቡር ደቕስ
ቢልካ ምዝራብ ሓቅስ
ኣይልውጥ ኣይፍውስ

ንሓቂ ብዘይ ፍቅሪ ምንጋራ
ንርእሳ ሓቒቓ ተሕቅቕ እንበር
ኣይተውጽእ ሓራ።

ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። (ኤፌ.4:15)

0 comments
Other Poem