ዎ ኣምልኸይ !

Posted on 2013-12-03 · 718 · 0 · 0

5 resources uploaded

ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ
ቅጥቁጥ መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣንብረለይ
ምእታወይ ምውጸኣአይ ክጽብቀለይ
ናብራይ ከም ስየ ክልምልመለይ
ገጸይ ከም ጸሓይ ከንጸባርቀለይ

...ክከውን ጨው እዛ ምድሪ...
ብርሃን እዛ ዓለም ተሸሚማ ዘላ ኣብ ደልሃመት
መለከትካ ክነፍሕ ከቅርብ ጻውዒት
ልቡ ከፊቱ ንዝተቀበለካ ክኾነሉ ንሂወት
ኣብ ሰማይ ሓጎስ ክከውን ሳዕስዒት

እዚ ዩ እቲ ሰናይ ድሌየት ኣምላኸይ
ንየሱስ ካብ ሰማየ ሰማያት ዘውረደ
መልክዕ...ባሪያ... ዘውሰደ
ከም ገንሸል ኣብ መስቀል ዘሸንከረ
ናብ...ሲኦል...ውን ዘውረደ
ኣጽዋሩ ገፊፉ ንሰይጣን ብግልጺ ዘሕፈረ
ምርኮ ማሪኹ ናብ የማን ኣቦ ዝደየበ

ስለይን ስለኻን ዝማልድ ዘሎ ሊቐ ካህነይ
ኣዚዩ ባህ እዩ ዝብለኒ ናቱ ብምዃነይ
ኣዚዩ ባህ እዩ ዝብለኒ ናቱ ብምዃነይ!!


0 comments