ኣይሕለልን እየ!

Posted on 2015-05-02 · 1197 · 0 · 0

32 resources uploaded

ኩነታተይ እንተ ኾነ ተስፋ ዘቑርጽ
ከባብየይ እንተ ጸልመተ ልቢ ዝህውጽ
ስጋይ እንተ ማህመነ ከብዲ ዝቐርጽ
ነገረይ ጉዳየይ እንተ በለ “ቕበጽ”
ኣነ ግና ኢደይ ኣይህብን እየ
ብኣምላኸይ ገና ተስፋ ክገብር እየ
ፍትሒ ክውጸለይ እዩ ካብኡ
ክርእዮ‘የ ነገረይ ኹሉ ተቐይሩ
ሽዑ መሊአ ክፈስስ ‘የ ብምስጋናኡ
ጎይታ ስለ ዝኾነ ከኣሊ ኹሉ
ስለዚ ኣይሕለልን እየ
ገና ክጽበይ እየ
ምድሓን ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ
ምብጻሕ ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ

ኣብ ዙርያይ እንተ ዘየለ ጽቡቕ ዝርአ
ንልበይ ዘህድእ ዝስማዕ ጥዑም ወረ
ደበና እንተ ዘይተርኣየ
ኖጉዲ እንተ ዘይተሰምዐ
ኣነ ግና እኣምን እየ ብኣምላኸይ
ማይ ክመልኦ ‘ዪ ንኹሉ ጎዳጉደይ
ስለዚ ኣይሕለልን እየ
ገና ክጽበይ እየ
ምድሓን ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ
ምብጻሕ ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ

ሓይለይ እንተ ደኸመ
ዓይነይ እንተ ጠለመ
ኣብራኸይ ወለል እንተ በለ
ነፍሰይ ዝድግፍ እንተ ተሳእነ
በዚ ግና ኢደይ ኣይህብን እየ
ብኣምላኸይ ገና ተስፋ ክገብር እየ
ምድሓን ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ
ምብጻሕ ኣምላኸይ ብዓይነይ ክርእዮ’የ

“ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ት. ኢሳይያስ 40: 30-31)

0 comments
Other Poem