እሾኽ ምስ ብልሓ ትፍጠር

Posted on 2013-04-17 · 1734 · 0 · 0

33 resources uploaded

እሾኽ ምስ ብልሓ ትፍጠር
ሓደ ግዜ ሓደ መምህር ትምህርተ ሰንበት፣ ንተማሃርኡ እንዳመሃሮም ከሎ፣ ገሊኣቶም ብተገዳስነት ክሰምዑ እቶም ዝተረፉ ድማ፣ ኣየቃልቡን ነበሩ። እቲ መምህር ጽቡቕ ንዝመለሰ ተማሃራይ፣ ሓለዋት ክህቦ ምኻኑ ነገሮም።
እቲ መምህር: “የሱስ ኣበይ ተወሊዱ፧” ብምባል ሓተቶም። እቶም ተማሃሮ: “ኣነ! ኣነ!” በሉ። መምህር: “እስኪ ሄኖስ መልሳ፤” ምስ በሎ፣ ሄኖስ ድማ: “ኣብ መብልዕ እንጌራ:” በለ። ኵሎም እቶም ተማሃሮ ክሳዕ ዝንኽነኹ ሰሓቑ። መምህር “ኣገናዕ ሄኖስ! ንፉዕ!” በሎ። እቶም ተማሃሮ: “ኣታ መምህር ከምኡ ዘይኰነ፣ አይ አብ መብልዕ ማል እንድዩ ተወሊዱ” በልዎ። መምህር: “ፈሊጠ ኣለኹ። ይዅን እምበር: እቲ ምፍታኑ ከመይ ንፉዕ መስለኩም ኢሉ ኣተባብዖ።”
እቲ መምህር መሊሱ: “መንግስተ-ሰማያት እንታይ ትመስል፧ እስከ ብስእሊ ስኢልኩም ኣርእዩኒ፧” በሎም። ተማሃሮ ኵሉ ዘዝመስሎም ስኢሎም ሃብዎ። ገሊኣቶም ዕንባባታት፣ ገሊኣቶም ዝተፈላላዩ ኣእዋም ዘለዎም ቦታ፣ ገሊኦም ድማ ህንጻታታት ገይሮም ስኢሎም ሃብዎ። ኣብ መወዳእታ ሜላት ጥርሑ ወረቐት ሒዛ መጺኣ ንመምህራ ሃበቶ። “ሜላት እዚ ደኣ እንታይ እዩ፧” በላ። ሜላት ትቕብል ኣቢላ: “መንግስተ ሰማያት ደኣ ብስእሊ ዘይትግለጽ። እቲ ጽሑፍ: ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ኣብ ልቢ ውን ዘይተሓስበ: ኣምላኽ ነቶም ዘፍቕርዎ ኣዳለወሎም’ዶ ኣይኮነን ዝብል፧ በለቶ።” መምህራ ብመልሳ ብዙሕ ገረሞ። ሓለዋት ድማ ሃባ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዛንታ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ፣ ካብ ትምህርተ-ሰንበት ዝመሃሩ ቘልዑ ዝበልዎ ዝተወስደ እዩ።

ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን
ስቶክሆልም, ሽወደን
ሚያዝያ, 2013


0 comments
Other Article