ምስራዕ ቀዳምነታት

Posted on 2013-02-24 · 1455 · 0 · 0

30 resources uploaded

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ዘፍ 1፣1
ክቡር ኣንባቢ፣ ካብዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። እሰከ በብሓደ፣ ነዛ ጥቕሲ ብዕምቈት ብምዕዛብን ውሽጣዊ ትሕዝቶኣን መንፈሳዊ መልእኽታን ንርአ።

1. ህልዋነት ኣምላኽ
ኣምላኽ …. ኢላ ብምጅማራ፣ እግዚኣብሄር ንህላውነቱ ክገልጽ ኢሉ ከም ዘይፈተነ ኢና ንዕዘብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህላውነት ኣምላኽ ክገልጽን መርትዖ ከቕርብን ኣይነንብብን ኢና። እንታይ ደኣ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ህላውነት ኣምላኽ ከም ርዱእን ውሁብን ኩነት ገይሩ እዩ ዝወስዶን ዘቕርቦን። ስለዚ፣ እዩ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ “..እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ” እብ 11፣6 ዝብል። ስለዚ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ከለኻ፣ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ እያ ዘላትካ፣ ንሳ ከኣ ‘ብህላውነቱ ምእማን’ እያ። ህላውነት ኣምላኽ ምፍላጥን ምቕባልን ምእማንን፣ መሰረት ናይ ኩሉ ህይወትና እዩ። ምኽንያቱ፣ ኣምላኽ ህያው ምዃኑ እንተ ኣሚንካ፣ ክትእዘዞ፣ ከተፍቅሮ፣ ክትስዕቦ፣ ዝበለካ ክትገበር፣ ኮታ ኩሉ ሞራላዊ ሰረት ናይ ሓደ ሰብ ኣብዛ ነጥቢ “ህልዋነት” ኣምላኽ ትብል እዩ ዝምርኮስ።

2. ኣምላኽ ብመጀመርታ
እታ ካልኣይቲ ኣዚያ ኣገዳሲት ትምህርቲ ካብዛ ጥቕሲ ንመሃራ ከኣ፣ ቀዳምነት ኣምላኽ እያ። መጅመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ከፊትና በታ ቀዳምይቲ መጽሓፍ ምንባብ ምስ ንጅምር፣ እቲ ቅድሚ ኩሉ ንረኽቦ ስምን ኣካልን፣ “ኣምላኽ” ምዃኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ኣምላኽ ኢሉ ብምጅማር፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት፣ ዝርአ ዘይርአ ኩሉ ነገር ቀዳምነት ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዘርኢ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ቀዳማይ ጌርና ክንሰርዖ ከም ዘለና ዝነገረና። ኣብነት ንምርኣይ “ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ” ዜጽ 20፣2-3 ፣ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ” ዮሃ1፣1-2 ፣ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡- ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና” 1ዮሃ1፣1-2 ፣ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ማቴ6፣33 ፣ “ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዂሉ እዩ፡ ኲሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ። ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዂሪ እዩ።” ቈሎ1፣17-18 ፣ “የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።” ማቴ 22፣37-38። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ክኸውን እዩ ዝደሊ። ስለዚ እዩ ደዳጊሙ ብዛዕባ ዕዙዝነት ኣምላኽን ቀዳምነት ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብ ህይወትና መን ቀዳማነት ይወስድ ኣሎ ምምርማር ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ እዚ ኣድለየ፧ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብዙሓት ነገራት ንቦታ ኣምላኽ ኣብ ልብና ክወስዱ ዝደልዩ ስለዘለዉ እዩ። ኣብነት፣ ገንዘብ፣ ስድራ፣ ዉሉድ፣ ንብረት፣ ጥሪት፣ ፍልጠት፣ ህቡብነት፣ ጥበብ፣ መልክዕ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ስለዘለዉ፣ ንልብና መሊኦም እንተ ሒዞሞ፣ ንኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ክንገብሮ ኣሸጋሪ እዩ። ስለዚ፣ ሕጂውን ጐይታ የሱስ፣ ንገንዘብን ንኣምላኽን ክትግዝኡ ኣይከኣለኩምን እዩ፣ ከም ዘበለ፣ ቀዳምነታትና ኣነጺርና ብምስራዕ ንኣምላኽ ቀዳማይ ክንገብሮ፣ ኣምላኽ ይደሊ ኣሎ።

3. ሰማይ
ኣብዛ ጥቕሲ፣ ሰማይ ከም መንፈሳዊ ነገር ጌርና ክንወስዳ ንኽእል። ስለዚ በዛ ሓሳብ እንተ ተረዳድእና፣ ቀጺልና፣ ኣምላኽ ኣብ መንፈስዊ ነገራት ቀዳምነት ከም ዝሰርዕ ኢና ንዕዘብ። ምኽንያቱ፣ ኣምላኽ ቅድሚ ምድሪ ምፍጣሩ ንሰማይ እዩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ ቀዳምነታት ኣምላኽ የርኢ። ብመሰረቱውን ቅድሚ ንሰብ ምፍጣሩ ፣ ንመላእኽቲ እዩ ፈጡሩ “ኣነ ንምድሪ ክስርታ ከሎኹስ ኣበይ ነበርካ፧ …. በታ ብጊሓት እቲኣ ከዋኽብቲ ሓቢሮም ኣመስገኑ፣ ኩሎም መላእኽቲ ድማ እልል በሉ” እዮ38፣5,7። እዚ ከኣ ኣምላኽ ቅድም ነቲ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዝፈጥረ እዩ ዘርእየና። ኣምላኽ’ውን ንሰብ መጀምርታ ነቲ መንፈስዊ ክፋሉ እዩ ፈጥሪዎ “ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ዘፍ 1፣26 ፣ ደሓር ከኣ ነቲ ምድራዊ ክፋል ናይ ሰብ ካብ ምድሪ ሓመድ ገበሮ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሲዱ ንሰብ (ነቲ ምድራዊ ክፋል ሰብ) ገበሮ” ዘፍ 2፣7። እምበኣርከስ፣ ንሕናውን ከም ሰዓብቲ ኣምላኽ፣ ቀዳምነታት ኣምላኽ ቀዳምነታትና ክኸውን ይግባእ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብመንፈስ ተመላለሱ፣ ነቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኣብ ሰማያት ዘሎ ሕሰቡ እናበለ መጽሓፍ ቕዱስና ዝምዕደና። ብመሰረቱ’ውን፣ ንኣምላኽ ቀዳምነት ክህብ ዘይከኣለ ሰብ፣ ነቲ መንፈሳዊ ነገር፣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነገር፣ ነቲ ናይ ሰማይ ነገር ቀዳምነት ክህብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፣ ኢና ከኣ በታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ቀዳመይቲ ነጥቢ ዝጀመርና። ቅድም ህላውነት ኣምላኽ ምእማን፣ ቅጺልካ ከኣ ንእኡ ቀዳምነት ምስራዕ፣ ድሓር ከኣ ንናይ ኣምላኽ ነገር፣ ንመንፈሳዊ ነገር፣ ንሰማያዊ ነገር ምስራዕ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ግና፣ ከምዚ እንተ ኮይኑ ድኣ፣ ኣብዚ ምድሪ ከም ዘለና መጠን ምድራዊ ዕዮና ስራሕና’ከ እንታይ ይኹን፧ ይብል ይኸውን። ቅኑዕ ሕቶ እዩ። እቲ ቅድም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ድለዩ ዝበለ ኣምላኽ፣ ንሱውን ኣብዛ ምድሪ ብትግሃት ክንሰርሕን ክንዓዪን ከም ዘለና ይእዝዝ እዩ። ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተውን ንምድሪ ዕየያን ሓልዎን ዝበለ ኣምላኽ ንሱ እዩ። ስለዚ እቲ ነገር ቀዳምነታት ምስራዕ ድኣ እምበር፣ ነዚ ጌርካ ነቲ ሓደ ግና ምሕዳግ ማለት ኣይኮነን። እዛ ራብዓይቲ ነጥብና ነዛ ሕቶ ዝያዳ ከተብርሃልና እያ።

4. ምድሪ
ሕጂ ናብቲ ናይ መወዳእታ ነጥብና መጺእና። እግዚኣብሄር ንምድሪ ድሕሪ ሰማይ እዩ ፈጢርዋ። ስለዚ ከኣ፣ ኣብ ህይወትና ኩሉ፣ ምድራዊ ነገር ድሕሪ ሰማያዊ ንገር ክመጽእ ከም ዘለዎ ኢና ንመሃር። ጐይታ የሱስ፣ ኣብ ማቴዎስ 6፣33 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን (ሰማይዋኢ፣ መንፈስዋ ነገር) ደልዩ፣ እዚ ኩሉ (ብልዒ፣ መስተ፣ ክዳን ወዘተ ) ከኣ ክውሰኸልኩም እዩ፣ ክብል ከሎ፣ ነቲ ክንገብሮ ዘለና ቅድመ ኩነታዊ መስርዕ፣ ንምምሃር ደኣ እዩ እምበር፣ ኣይትዕየዩ ሃካያት ኩኑ ንምባል ኣይኮነን። ግናኸ፣ ቅድም ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድላይካ ምስጢር ዓወትካ ኣብቲ ትገብሮ ምድራዊ ዕዮኻውን እዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፣ ብሕብእ ምስ ኣምላኽ ዘለኻ ዝምድና፣ ነቲ ምግህዶ ኣብ ህይወት ዝህልወካ ኣሳልጦ ይቅድሞ እዩ። ጸሓፊ እብራውያን ከኣ ‘እቲ ዝርአ ኩሉ ካብቲ ዘይርአ እዩ’ ይብል። ስለዚ እቲ ኣብቲ ዘይርአ መንፈሳዊ ህይወትና ንገብሮ ነዚ ዝርአ ምድራዊ ናብራና መሰረት ክኾኖ ኣለዎ። ቅድም ዘይርአ፣ ከም ውጽኢቱ ከኣ እቲ ዝርአ ከመጽእ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ክኸውን ዘለዎ መስርዕ፣ ቅድም ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን/ምፍላጥ፣ ሽዑ ነቲ ዝኣመንካዮን ዝፈለጥካዮን ኣምላኽ ምቕዳም፣ ድሕሪኡ ከኣ ነቲ መንፈሳዊ ነገራት ናይ ኣምላኽ ዘበለ ምቕዳም፣ ኣብ መውዳእታ ከኣ ምድራዊ ዕዮኻን ጉዳይካን ምግባር። ብኸመይ ንዝብል፣ ጸሎትን ቃል ኣምላኽን ቅድሚ ኩሉ ምግባርካ ምዝውታር፣ ጉዳይካ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ምውፋይ፣ ሓሳብካ ብሓሳብ ኣምላኽ ምልዋጥን ምምላእን ወዘተ ጌርካ ክግበር ይክኣል።

ቀንዲ ነጥብታት ፦ ኣምላኽ፣ ሰማይዊ መንፈሳዊ ጉዳይ፣ ምድራዊ ነገራት፣ ቀዳምነት ምስራዕ

ጸሎት፦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣብ ህይወተይ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ጌይረ ከምለኸካ፣ ጉዳይካ ከኣ ጉዳየይ ክገብሮን፣ ድሕሪ ኩሉ ከኣ ነገራተይ ክገብር፣ ብስም የሱስ ክርስቶስ የቐድመካ ኣለኹ።

0 comments
Other Article