መን እዩ ጌገኛ? (2ይ ክፋል)

Posted on 2012-04-05 · 1546 · 0 · 0

37 resources uploaded

ዘፍ 37
ናይ ዮስየፍ ኣካይዳ ንጎኒ ኣጽኒሕና፣ የሕዋቱ ዝገበርዎ ብኹሉ ምዐቀኒ ምኽኑይ ኣይነበረን። ብሓቂ ኸኣ ልቦና ዝጎዶሎ ካብ ምርዳእን ምስትውዓልን ዝረሓቀ እዩ። ንሓዎም ክቀትልዎ እዚ ኣብ ሓሳቦም ምቁጻሮም ብሓቂ ዘነውር እዩ። እዚ ድማ ደቂ ያዕቆብ ዝነብሮም ኣካይዳን ስርዓትን ኣጉሊሑ የርእየና። ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ንሰብ ድማ ሀይሓፍሩ ዓመጻኛታት እዮም ነይሮም። ናይ ስድራ ትርጉም ዘይርድኦም ዝተጋገየ’ውን ክምለስን ክእረምን ከምዝኽእል ዝዘንግዑ ጨካናት። ናይ ኣምላኽ መገዲ ዝረስዑ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርእዩ ዕዉራት እዮም። ቅንእን ጽልእን ልቦም መሊኡ ስለ ዝነብረ ንሓዎም ከጥቅዕዎ ምቹእ ግዜ ዝጽበዩ ዝነበሩ እኩያት። ዝሓስብዎን ዝመኽርዎን ዝነብሩ መታን ከይፍለጥ፣ ብውሽጦም ሰዊሮምዎ ነብሩ። እዚ ድማ ካብ ገርህነት ዝረሓቀ፣ ጉርሒ ዝመልኦ ኣካይዳ እዩ። ብፍጹም ናይ ሕውነትን ስድራቤትን ሚዛን ዘይርድኦም ዝምቡዓት እዮም ዝነበሩ። ብዝሓሰብካዮ መጠን ዘስደምም፣ ምስ ቀልቦም ምንባሮም’ውን የጠራጥረካ። እንስሳ’ኻ ከምኡ እንተገበሩ ኣእምሮ ጎዲልዎም፣ ካብ ሰብ ግና ከምዚ ዝበለ እንክስማዕ፣ ንምእማኑ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ።

ናይዚ ኹሉ መበገሲ እንታይ ምኻኑ ደቂ ዮስየፍ እንተዝሕተቱ፣ ዝህብዎ ምላሽ እንታይ ምኾነ? ስለምንታይ ንዮስየፍ ክሳብ ክንድዚ ሓሪቆምሉ ነይሮም? እንታይ እዩ መበገሲኦም? ዮስየፍ ዝበደሎ ኽፉእ ነይሩ ዲዩ? ስለምታይ ደኣ ብጎቦ ዓይኖም ዝጥምትዎ ነይሮም? ኩሎም ዝህብዎ መልሲ ዝተፈላለየ መሰረት ዘይብሉ ኽሲ እዩ። ገለን ኸምዚ ይብል፣ ገለን ኽምቲ ይብል። እንተ ገሊኦም እሞ ኸኣ ወልሓደ ዘይፈልጡ ካልእ ክዛረቦ ዝሰምዑ ደድሕሪ ቤላቤለውን ከም ጽውጽዋይ ዝበለ ዘረባ ዝስዕቡ እዩም ዝነበሩ። ዘረባ ገሊኦም ከም መንሽሮ እናለሓመ ስለ ዝኸይድ፣ በቲ ሓደ ዝብሎ ኣተሓሳስባ ናይቶም ካልኦት ይበላሾ ስለ ዝነበረ እዩ። እንተተመርመረ ግና፣ ኣብ ውሽጦም ዝቦቆለ ቅንኢ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይዚ ኹሉ መበገሲ ዝነብረስ ለኻ ቅንኢ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ቅዱስ ቅንኢ ኣይነብረን። ብቅንኢ ኽሳብ ክንድዚ ዝዝወሩ ምንባሮም ብጥዓሚ ዘገርም እዩ። ቅንኢ ክሳብ ክንድዚ ሓያል እዩ?

ስለምታይ ግና ቀኒኦምሉ? ዮስየፍ ንያዕቆብ ወዲ እርግናኡን: ካብታ ዝመረጻ ብልቡ ዝፈተዋን ሰብይቱ ራሄል ብምንባሩን ያዕቆብ ንዮስየፍ ፍልይ ዝበለ ምክንኻን ይገብረሉ ነበር። ኣብ ዓይኒ ያእቆብ ድማ ብዙሕ መጎስ ነበሮ። እዚ ድማ ኣብ የዕንቲ የሕዋቱ ጽቡቅ ክይኑ ኣይተራእየን። ግን ናይ ዮስየፍ በደል ኣይነብረ። ያዕቆብ ኣብኦም ብገንዘቡ ንዝደለዮ ክዕድልን ህያብ ክህብን ስልጣን ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ንዮስየፍ ወለል ዝብል ብዙሕ ዝዓይነቱ ቀምሽ ብምሃቡ ኣይተጋገየን። በቲ ኣብኡ ዝሃቦ ህያብ ድማ ኣብ ልቦም ቅንኢ ይነዶም ነበረ። ኣብ ልቦም እናተቃጸዎም ክነሱ፣ ንዮስየፍ ሰላም ይዛረብዎ ስለ ዝነበሩ፣ ዮስየፍ የሕዋቱ ዝመኽርሉን ዝጣበብሉን ዝነብሩ ስጋዊ ምድራዊ ሰይጣናዊ ጥበብ ኣይፈልጥን ነበረ። ስለ ዝኾነ ኣብኡ ህያብ ምስ ሃቦ ተቀላጢፉ ነሕዋቱ ኣርኣዮም፣ ዋላ’ውን እንተዘይነሮም ነይሩ ዝሕባእ ኣይነብረን።

የሕዋት ዮስየፍ ሓጢኣት ከም ናይ ቃኤል ኣብ ኣፍደግ ኮይና ትቃጸዎም ከም ዝነበረት ኣየስተውዓሉን። ንሓርቆቶምን ቅንኦም እንተዘይመሊኾምዎ፣ ካብ ልቦም እንተዘይኣውጺኦምዎ ናብ ዝኸፍአ መገዲ ክመርሖም እዩ። ዕንውት ዘምጽእ ውሳኔ ክውስኑ ክገብሮም እዩ። ኮርዩ ንሰይጣን ግና ዕድል ኣይትሃብዎ ዝብል ዓሚቅ ምስጢር ዘለዎ ሓሳብ ዝነግሮም እንተዝነብር። ሓርቆት ሓያል እዩ፣ ክገዝኣካን ክዝውረካን እንተጀሚሩ ድማ ዘይደለኻዮ ክትገብር፣ ናብ ዘይደለኻዮ መገዲ ክተከይድ ይገብረካ። ዋላ’ውን ዮስየፍ ተጋግዩ እንተዝነብር፣ ቅንእን ሓርቆትን ንጉዳዮም ከም ግቡእ ጌሮም ክሕዝዎ ኣይክገብሮምን እዩ።

የሕዋት የስየፍ ልቢ ዳዊት ኣይነበሮምን። ዳዊት ነቲ ዘሳድዶን መከራ ዘጽግቦን ዝነበረ፣ ከም ዝጸልኦን ክቀትሎ ከም ዝደሊ’ውን ብግህዶ ዘርኣዮ ሳውል ኣብ በዓቲ ምስ ረኸቦ ምርጫ ነይርዎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣምላኽ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂብካ ከሎ ምስ ምድሪ ከነጣብቆ ሕደግና ምስ በልዎ፣ ዳዊት ግና ናይ ኣምላኽ ቅቡእ እዩ ስለዚ ኣብ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢደይ ኣየልዕልን እየ ብምባል ዘፈር ክዳኑ ክቆርጽ ከሎ እካ ልቡ ኣዝዩ ወቅዖ። የሕዋት የስየፍ ግና ነቲ ደሃዮም ክገብር ኣብ ፈቀዶ በረኻ ኮለል ክብል ዘምሰየ ሓዎም፣ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ጽምዋ በርኻ ምስ ረኸብዎ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብኡ ህያብ ዝሃቦ ቀምሽ ብምልኡ ቐንጢጦም ጥርሑ ንንፋስን ንኣሳሒታ ለይትን የሕሊፎም ሃብዎ። ክቀትልዎ ድማ ተማኸሩ። እቲ ንሓዉ ተኸዳን ጨርቂ ዝብሎ ናብ ገሃነም እሳት ክኣቱ እዩ፣ ንሓዉ ዘይፍቅር ድማ ቀታል ነፍሲ እዩ ዝብል ሓሊፎም፣ ካብ መንጎኦም ከርሕቅዎ ድሕሪ ሕጂ ድማ ገጹ ከይርእዩ፣ ድምጹ ድማ ክይሰምዑ መታን ኪቀትልዎ ምኽሮም ወድኡ። ኣየ! ንቅቡእ ኣምላኽ ዝትንኪ፣ ኣብ ስልጣን ኣምላኽ ምዕማጽ ምኻኑ ዝነሮም እንተዝርከብ። ግን ኸኣ ልቦም ቅንኢ፣ ቁጥዓ መሊኡ ስለ ዝነበረ ንምስማዕ ኣእዛኖም ኣይምሃቡን። ቃኤል ኣምላኽ እናተዛረቦ እካ ዘይሰምዐ! ስለዚ ናይ መጀመርታ ፈውሲ ቅንኢ ካብ ልቦም ኸውጽእዎ ነይርዎም።

ምምዕዓድን ምትብባዕን ምግሳጽን ናይ ሓደ ስድራ መለለዩ እዩ። እዚ እንተተረፈ እኻ ኸም ገማሊኤል ንግዜ ኽገድፍሉ ምተገብኦም። ምስ ግዜ ዘይምለስን ዘይግሃድን ናብ ብርሃን ዘይወጽእ ምስጢርን ወልሓደ የልቦን። ስለዚ እንተዘይተረድኦም እካ፣ ኣምላኽ ኢልዎ እንተኮይኑ ምስ ኣምላኽ ክንብኣስ ከይንርከብ ኢድና ኣይነልዕልን፣ ዘይበሎ እንተኮይኑ ኸኣ ሓሳዊ ኮይኑ ስለዝርከብ ክሓፍር እዩ ኣይበሉን። ግን ከኣ ዋላ ተጋግዩ፣ ገዛእ ርእሱ ድማ ከም ምሳሌ እንተዘይኣቅረበ’ውን፣ ክምዕድዎን ክግስጽዎን ደኣ ነይርዎም እምበር ካብኡ ሓሊፎም ካብ ማእከሎም ከርሕቅዎ ምሕሳቦም ብሓቂ ጌጋ እዩ። ምጽውዋርን ምስኽኻምን ናይ ሓደ ስድራ መለለይ ባህርይ ዶ ኣይኮነ? ደቂ ያእቆብ ብቁጽሪ ሒደት እዮም ዝነበሩ። ኣምላኽ ምስኦም ስለ ዝነብረ ካብ ከባቢኦም ዝተፈለዩን ዕይኦም ዝቐንዓሎም ህዝቢ እዮም። ካብዚ ዝተላዕለ ጠማቲኦም ብዙሕ ነበረ። ከጥቅዖም ኢሉ ዝትንስእ ጽላኢ ድማ ኣብ ከባቢኦም ነይሩ እዩ። ስለ ዝኾነ ስድራ ያዕቆብ እንተተፈላልዮም ጸላኢ ከሽንፎም ቀሊል ክኸውን እዩ። ስለዚ ፍልልዮም እናጽበቡ ክኸዱ፣ ንሕውነቶም ድማ ብሰላም ክሕልውዎ ነይርዎም።

ብሓቂ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ ዝበሎም ፈጺሙ ኣይተረድኦምን። “ንሕና’ውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ክንነግሲ፣ ወሸለ ምነገስኩ”። ናይ ዮስየፍ ምንጋስ ናታቶም ምንጋስ ምኻኑ፣ ናይ ዮስየፍ ልዕል ምባል ንሳቶምውም ሓቢሮም ልዕል ክብሉ ምኻኖም ተሰዊርዎም ነበረ። እንተዘይከውን ነይሩ፣ ምስ ዮስየፍ ብሓጎስ በዓል መብዓሉ። ንሓዎም መከራ ንምጽጋብ ድማ መጋብሮ ጸላኢ ኣምኾኑን። እቲ ጎይታና የሱስ ዝበሎ, “ወዲ ሰብ ከም ዝተጻሕፈሉ ይኸይድ። እቲ ብእኡ ኣቢሉ ዘትሕዞ ግና ወይልኡ” ዝበሎ ኣብኦም ኣይምተፈጸመን። እ/ሄር ንዮስየፍ ከመይ ጌሩ ከምዘንግሶ ይፈልጥ እዩ። የሕዋቱ ግና ነቲ ሕማቅ ተግባር መጋብሮ ምኻኖም ንጽባሕ ንግሆ ዘሕፍሮም ምኻኑ ኣይተረድኡን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰብ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽድ፣ ኣብ ህወቶምን መገደሞን ኣብ ዘርኦምን ሕማቅ ዘርኢ ክዘርኡ ኣይምደፈሩን። ዮስየፍ ምንጋሱ ንመንኩቦምን መንኩብ ደቆምን ካብ ሰኽምን ጻዕርን፣ ንኣእጋሮም ድማ ካብ ነዊሕ መገዲን ሕበጥን፣ ንስጋኦም ድማ ካብ ዛሕሊ ለይቲ ካብ ጸሓይ ቅትሪ ዕረፍቲ ከም ዝኾኖም ኣየስተውዓልዎን። ልዕሊ ክሉ ድማ እቲ ንመንግስትን ክህነትን ዝተጸውዐ ህዝቢ ክሕሎ እዩ፣ ተስፋ ኣምልኽ ድማ ኣብ ህዝቡ ክፍጸም እዩ። የሕዋት የስየፍ ግና ኣብ ዮስየፍ ምትስኦም ኣብ ሓሳብን ተስፋ ኣምላኽ ጣልቃ ምእታው ምኻኑ ኣይተሰወጦምን። እዚ ኸኣ ከቢድ በደል እዩ።

እ/ሔር ግና ኩሉ ዝኽእል፣ ንዝደለዮ ድማ ዝኽልክሎ ዘይብሉ ዓቢ ኣምላኽ እዩ። ንምኽሩ ብዘይፍልጠት ውን ይኹን ዘጸልምቶ የልቦን። ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ መገዱ እንተኣቅኒዑ፣ ኣብታ ጽንዕቲ ኢዱ ኮይኑ ድማ ንግዚኡ እንተተጸብዩ፣ ኣምላክ ልዕል የብሎ እዩ። ኣምላኽ ዝበሎ ድማ ከይተፈጸመ ብዓል ተስፋ ኣይመውትን እዩ። ሰባት እንተተላዕልዎ፣ ማያት ብልዕሉ ነፍሱ እንተሓለፈ ኣይጠፍእን እዩ። ምይቱ ክብልዎ ይትስእ፣ ተቆሪጹ ክብልዎ ይጥጥዕ፣ ደኺሙ ክብልዎ ይብርትዕ፣ ተስፋን ኪዳንን ኣምልኻ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘሎ ድማ፣ ኣምላኽ ከም ብሌን ዓይኑ ይከናኸኖ። ኣብ ክንድኡ ስባት የሕሊፉ ይህብ፣ ንጸላእቱን ንዝትስእዎን ድማ ይግስጾምን ስቅ የብሎምን። ነፍሱ መታን ከይትሕለል ድማ፣ ተስፋኡ እናሓደሰን እናኣዘከረን ናብቲ ዕርዲ ይመልሶ። ሓይሉ የሕድሶ፣ ዓጻጽምቱ ድማ የጠጥዖ። ነእጋሩ ቀጥ ዝበለ መገዲ ይገብረሉ። ከምቲ እዮብ ዝበሎ፣ “ሓንትስ ኣካይዳይ ኣብ ቅድሚኡ የቅንዕ እምበር ንሱ ይቅተለኒ ካልእ ተስፋ የብለይን” ብምባል መገዱ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጎይታኡ ጥራሕ ይጠንቀቅ እምበር፣ ኩሉ ምስ ተባህለን ምስተገብረን፣ ኣምላኽ ናብ በሪኽ ከም ዘውጽኦ ርግጽ እዩ።

0 comments
Other Article