ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን ንህጻናት

Posted on 2014-07-13 · 1740 · 0 · 0

33 resources uploaded

ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን ንህጻናት
ኣንበሳን ድሙን
ካብታ ቀሸም ‘ትብል መጽሓፍና እተወስደ
ድሙ እንስሳ ዘቤት ከም ዝዀነት ዘይፈልጥ ሰብ መቸስ ኣይህሉን ይዀውን። ብንጉስ ጫካ ዝፍለጥ ኣንበሳ ግን፣ እንስሳ ዘገዳም ኰይኑ፣ ኣብ ዱር ከኣ ይነብር። ሓደ እዋን፡ ድሙ ኣናጹ ክትምእርር ኢላ ኣብቲ በረኻ ከደት፣ ነንበሳ ኸኣ ረኸበቶ። ሰላምታ እግዚኣብሄር ምስ ተለዋወጡ፣ ኣንበሳ ምእድድ ኢሉ፡ “መን ትበሃሊ ደኣ ጓለይ፧ ኣይፈለጥኩኽን!” ኢሉ ሕቶ ኣቕረበላ። “ኣነ ድኣ ድሙ እበሃል፡” ብምባል መንነታ ገለጸትሉ።”
“ክሳዕ ሕጂ ርእየኪ ዘይፈልጥ ግን ብዙሕ’ዩ ገሪሙኒ ዘሎ። መልክዕኺ ግን ቅምጥ ኢልኪ ንዓና ኢኺ ትመስሊ። ንምዃኑ ኣበይ ዓዲ ኢኺ ትቕመጢ፧”
ብጽሞና ከተዳምጾ ዝጸንሐት ድሙ፡ ”ሓቅኻ ኣያ ኣንበሳ። ልክዕ ከምቲ ዝበልካዮ ተረኣኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ኣነ ምስ ሰብ ዝበሃል ፍጡር እየ ዝነብር፡” ብምባል መለሰት።
“እንታይ ማለትኪ እዩ፧ እዚ ዘረባኽስ ኣነጽርለይ እስኪ፧ ከመይ ኢልኪ ኢኺ ምስ ሰብ እትነብሪ፧ እቲ ሰብ ትብልዮ ዘለኺከ ንዓናዶ ይመስል፧” ኢሉ ሕቶ ብሕቶ ገበራ። ድሙ ብወገና ከምዚ በለቶ፡ “ኣይፋሉን! እቲ ሰብ ዝበሃል ንዓና ኣይመስልን እዩ። ነገር ግን፡ ኣነ ምስዚ ዝበልኩኻ ሰብ እየ ዝነብር። ካብ ሰብ ተፈልየ ድማ ክነብር ኣይክእልን እየ።”
ኣንበሳ፡ “በሊ ኣነ ምስዚ ሰብ ትብልዮ ዘለኺ ፍጥረት ክፋለጥ ደልየ ስለ ዘለኹ፣ ተላይ ንዕናይ ኣፋልጥኒ፡” በላ። “ኣይፋልካን ኣያ ኣንበሳ! ምስ ሰብ ምፍላጥ ኣየድልየካን እዩ። ክትቀርቦ ውን ኣየድልይን እዩ። ኣነ እኮ ምስ ሰብ ምንባር ተለማሚደዮ እየ። ንስኻ ግን፡ ሰብ ምቕራብ ኣየድልየካን’ዩ፣” ኢላ ብሂላ ወይ ብዕሊ መኸረቶ። እንተዀነ ግን፡ ከምቲ ወለድና ዘንቀደ ኣይትምከር፣ ቃፍላይ ኣይትኽተር ዝብልዎ፣ ኣንበሳ ሓንሳብ ስለ ዘንቀደ ንምኽሪ ወያ ድሙ፣ ምኽሪ ኢሉ እኳ ኣየቋጸሮን። “ሰሚዕኪ’ለኺ እቲ ምሳኺ ዝነብር ሰብ ዝበሃል ፍጥረት ክረኽቦ ኣለኒ፡” በላ። “ስምዒ’ስኪ እንታይ ኰይነ ኢልኪ ኢኺ ዕጥይጥይ ትብሊ ዘለኺ፧ ኣነ ኣንበሳ ዝኣክል እየ’ኮ ንዕናይ ውሰድኒ ምስ ሰብ ኣራኽብኒ ዝብለኪ ዘለኹ። ጸጉረይ ቀሊልኪ ምሽ፣ ኣነ እታ ዝደለኽዋ ከይገበርኩ ዘይሓድር ምዃነይ ዘንጊዕክዮ ኣለኪ። ኵሉ ስመይ ክሰምዕ ወላ ከም ዝርዕድ ከቶ ኣይተሰቈረክን ኣሎ መስለኒ። ዝገርም እኮ እዩ፣ ንዓይ ንኣንበሳሲ፣ ብዛዕባ ሰብ ክትዛረብንን ከተፍርሀንን ከለኺ። በሊ ደሓን ሰሚዐልኪ ኣለኹ፣ ካልእ ከየምጻኺ ከለኺ ሕለፊ ያላ ንዕናይ።”
ገና እናተዛረበ ከሎ፡ በጋጣሚ ሓደ ሰብኣይ መጽዓንን ምራን-ቀደምን ሒዙ ሃንደፍ ሃንደፍ እናበለ ደበኽ ኣይብለልኩምን። ድሙ፡ ንኣምላኻ ኣመስገነት። ምኽንያቱ ኣብ መዋጥርን ምጕብዕባዓትን እያ ኣትያ ጸኒሓ። ነንበሳ ግልጽ ኢላ፡ “ኣያ ኣንበሳ ወዮ ኣፋልጠኒ ትብለኒ ዝነበርካስ እነሆልካ በል፡” በለቶ።
“ኣየናይ ኣንቲ፧ እዚ! ነዚ ኢኺ ከኣ ላዕልን ታሕትን ከተብልና ዝጸናሕኪ፧” ኢሉ፣ ዋጋነቱ ኣዋደቖ። “በሊ ተመልከቲ ከመይ ገይረ ሕንቕ ኣቢለ ኣብዛ ምድሩ ፈዘግ ከም ዘብሎ፡” በላ። ኣንበሳ እናተወንጨፈ ኣብቲ ሰብኣይ ኣቢሉ ክመጽእ ከሎ፡ ክመጽእ ከሎ፡ ሰብኣይ ሆየ ብቕጽበት ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ዓባይ ገረብ ሓዀረ። ኣንበሳ ድማ ማይ ዓሚኹ ተረፈ። ኰይኑ ግን፡ ሕጂ ውን ተስፋ ኣይቈረጸን። “ደሓን በየን ገይሩ ከም ዝወርድ ክርእዮ እየ፣” ኢሉ ኣብ እግሪ እታ ገረብ ጠጠው በለ። “ምስ ንጉስ ጫካ ኣብ ነገር ዝኣቱ ከም ዝስሕና ኣይፈለጠን ኣሎ።” ኣንበሳ ቀም ከብል ዔመ። ምስ ደቀሰ፣ እቲ ሰብኣይ ነታ መጽዓን መሸንቘቍ ሰርሓ እሞ፣ ካብ ላዕሊ ኣብቲ ኣንበሳ ዝነበሮ’ቢሉ ተጠንቂቑ ኣውረዳ። ኣብ ክሳዱ ከም ትኣቱ ከኣ ገበራ። ኣብ ክሳድ እቲ ኣንበሳ ከም ዝኣተወት ብዘረጋገጸ፣ ቅልጥፍ ኢሉ ስሕብ ኣበላ። ኣንበሳ እንታይ ረኺቡኒ ኢሉ በርደግ ኢሉ ተንስአ። መሸንቘቕ ከም ዝሓዞ ምስ ፈለጠ፣ ሰለስተ ግዜ ዓዕ! ዓዕ! ዓዕ! በለ። ቀጺሉ፡ ብልሃቱ ጠፊእዎ፡ “ድሙ ድሙ ድሙ በጃኺን’ዶ ርድእኒ፡” በላ። ወያ ድሙ ኵሉ እቲ ዝነበረ ጃህራን ጕራን ኣብ ኣውያት ከም ዝተለወጠ ምስ ፈለጠት፡ “ኣያ ኣንበሳ ሕጂዶ ዀይኑ ድሙ ድሙ፣ ሰብ ሓያል እዩ’ዶ ኣይበልኩኻን’ዶ ቀደሙ፡” በለቶ።
ፍቁራት ህጻናት ካብዛ ተረት ንመሃሮ ቁም-ነገር እዚ እዩ፣ ጃህራን ጉራን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕፍረትን ውርደትን ከም ዝመርሑ። ብትዕቢትን ጃህራን ምስርናቕ ፋይዳ የብሉን’ዩ። ብዘረባ ጥራይ ከምዚ ይገብር’የ ኣነ’ኮ ከምዚ እየ፣ ክንብል የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ’ከ እንታይ ይምዕደና፧ እስኪ ገለገለ ጥቕስታት ንርአ፡
• እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ። እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይጀሀር፡ በልዎ፡ ኢሉ መለሰሉ። መጽሓፍ 1 ነገስት ምዕራፍ 20 ጥቕሲ 11
• ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ ኣሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ ኣሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 10 ጥቕስታት 2ን 3ን
• ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ። መዝሙር ዳዊት 94 ጥቕሲ 4
• ብዛዕባ ህያቡ ብሓሶት ዚጅሀር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዜብሉ ደበናን ንፋስን እዩ። ምሳሌ ምዕራፍ 25 ጥቕሲ 14
• ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዲ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ? ሸቦጥሲ ነቶም ዚልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶም፧ በትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ? ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 10 ጥቕሲ 15
• ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም። ትንቢት ኤርምያስ ምዕራፍ 50 ጥቕሲ 36
• ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። መልእኽቲ ያእቆብ ምዕራፍ 4 ጥቕሲ 16
• ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንጦስ ምዕራፍ 13 ጥቕሲ 4

ሕቶታት ጆኦግራፊ
1. ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ካብ ዝርከባ ሃገራት 6 ጥቐስ፧
2. ትርጕም እዞም ዝስዕቡ ጆኦግራፍያውያን ቃላት ጽሓፉ፧
ሀ) መትረብ ለ) ወሽመጥ ሐ)ማርሳ መ) ደሴት ረ) መታሕት ሰ) ከረን (ኣኽራናት) ሸ) ጸንፊ ቀ) ሜርኩሪ ቐ) ክሊማ በ) ምዉት መሬት ተ) ዱኻ
3. የሱስ ኣብዛ ምድሪ እናተመላለሰ ኸሎ ካብ ዝኣተወን ዓድታት 3 ጥቐስ፧
4. መንደፈራ ካብ ኣስመራ ክንደይ ርሒቓ ትርከብ፧ ምብራቕ ቢታንያኸ ንዮርሳሌም ክንደይ’ቢሉ ይኸውን፧ (ርሕቐት)ንመወከሲ፡ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ጥቅሲ 12 ኣንብቡ።
5. ካብ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት፣ ስም ኣምላኽ ዘለዋ ሃገር መን እያ፧
6. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ክንደይ እየን፧ ስመየን፧ ኣብ 2011 ዝተወሰኸተን ሃገር’ከ መን ትበሃል፧
ሕቶታት ስነ-ፍልጠት
1. ህይወት ዝዀነ እንስሳ ኣበይ ይርከብ፧
2. እዞም ቃላት እዚኣቶም ግለጽዎም፧
ሀ. ደሶ ለ. ረቓቒቶ ሐ. ሽከና መ. መሓግሓጋ ረ. ቆስጠ ሰ. ቆሎ-ስኒ ሸ. ጉንቦ-ኢድ ቀ. ሻሕለለ
3. እተን 3 ሕግታት ምንቅስቓሳት ዝነደፈ፣ ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ፣ ውሩይ ሳይንቲስት መን ይበሃል፧
4. ሕጊ ስሕበት መዓስ እዩ ክሰዓር፧
5. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 8 PhD ዝነበሮ ሃብታም ንጉስ መን ይበሃል፧

ሕቶታት ታሪኽ
1. ኣብ ሃገርና ንመጀመርያ እዋን ወንጌል ዘእተዉ መነመን ይበሃሉ፧ መዓስከ ኣእትዮምዎ፧
2. መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ መዓስ እዩ ብምልኡ ተተርጕሙ ወጺኡ፧
3. መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ መዓስ ጀሚሩ፧ ንጥልያን ተኪኡ ዝመጸ ገዛኢ ሓይሊ’ከ መን ነይሩ፧
4. ጥንታዊት ኢትዮጵያ፡ ብምንታይ ዝብል ስም ትፍለጥ ነይራ፧
5. ተሃድሶ ዝበሃል ምንቅስቓስ ዝወደበ፣ እቶም ሰዓብቱ ከማን ፕሮተስታንት ወይ ከኒሻ ዝበሃሉ፣ ሰብ ብእምነት እዩ ዝጸድቕ ኢሉ ዝተማጐተ፣ ውሩይ ጀርመናዊ መን ይበሃል፧
6. ቀንዲ መለዓዓሊ ነገር ካልኣይ ኵናት ዓለም እንታይ ነይሩ፧
7. ብKing James Version ዝፍለጥ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ፣ ስለምንታይ ከምኡ ተባሂሉ፧

ቍጽሪ
1. እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ቅጻ (Volume) ክንደይ ነይሩ፧ ዘፍ 6፡15 ኣንቢብኩም መልሲ ብ እመት3 ግበርዎ።
2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሓንቲ ስድራ እዮም፣ ረሾ ኣወዳት ንኣዋልድ 12፡1 እዩ። ስድራቤት መን ኰን ይዀኑ፧
3. ሐ + 2/3 = 7
4. ምሉኣት ቍጽርታት ዝበሃሉ እኒመን እዮም፧
5. ሳሙኤል ንሓሙሽተ እንቋቍሖታት ብሕሳብ 5 ናቕፋ ‘ተሻይጥወን፣ ክንደይ ገንዘብ ይረክብ፧

ትርጕም እዘን ዝስዕባ ምስላታት ጽሓፍ
 ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም።
 ድሕሪ ማይ [ናብ] በዓቲ። ወይ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ።
ሕንቅሕንቅሊቶይ
ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፣ ፍለጡለይ፧
እንተፈሊጥኩምዋ ገዓት ጠስሚ ተደረሩ።



ብጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን
13 ሓምለ, 2014
ስቶክሆልም, ሽወደን






0 comments
Other Article