መርዓ - ሓሳብ ኣምላኽ ካብ “መጀምርታ” - ቀደማይ (1ይ) ክፋል

Posted on 2013-07-19 · 1456 · 0 · 3

37 resources uploaded

ማቴ19፣1-9
ካብ ማንም ግዜ ንልዓሊ፣ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ “ሓዳር” ኣብ መንቀራቅሮ ዝኣተወ ይመስል። ከምዚ ዘመን ጌሩ “ንመርዓ” ዝተዘርበሉን ዝተማህረሉን ግዜ እንተሃልዩ ኣዝየ ምተገረምኩ። ብኡ መጠን ግን ከኣ ከም ኣብዚ ዘመን መርዓ ዝተበላሸወ ዘሎ ኣይመስልን። ብብዙሕ ኩርናዕ ኣሉታዊ ጎኒ ሰብኣይን ሰበይትን ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ፍትሕ ገኒኑ ይርአ። መርዓ ከም ሓደ ጥንታዊ ስርዓት ስለ ዝተቆጽረ ድማ፣ ወድን ጓልን ብኸምኡ ብሓደ ክእከቡ ወይ'ውን ኣብ ሓደ ኣጉዶ ክነብሩ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። ናይዚ ኩሉ ምኽናያት ብሓቂ ልዕሊ ምርድአይ እዩ። ብፍላይ ኣመንቲ ንፍትሕ ከም ኣማራጺ ክወስድዎ ክርኢ ከልኹ ብሓቂ ሕርብት ይብለኒ። ኣብ መደብ ኣምላኽ ስለ ዘየለ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣነውን ንባዕለይ ካብ ዝተፈላለዩ ወለዲ ስለ ዝመጻኹ እሞ ሃጽፊ ምረቱ ስለ ዝጠዓምኩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ ዝዀነ ብዙሕ ግዜ፣ ምስ ገዛእ ርእሰይ ኰነ ምስ የዕሩኽተይ ዝሓቶ ሕቶን እንተሃልዩ፣ "መርዓ ስለምንታይ ወይ'ውን ንምንታይ” ዝብል እዩ። ነዚ ንምምላስ እምበኣር ቅዱሳት ጽሑፋት ዝምህሩና ከነጽንዕ ናይ ግድን እዩ። ማቴ19፣1-9 ከም መበገሲ ሓሳብ ወሲደ፣ ዓቅመይ ዝፈቅዶ ክትንትን።


የሱስ ድማ ንፈርሳውያን " ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን (ማቴ19)" በሎም። የሱስ እዚ ዝበለ፣ ፈርሳውያን "ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ክፈትሓ ተፈቂድሉ ድዩ? ኢሎም ስለ ዝሓተትዎ እዩ። መልሱ ዘየደናግር፣ ምትርጓም ዘድልዮ ኣይነበረን። ንኽትርድኦ ዝኸብድ ኣይኰነን። ናይ የሱስ መልሲ ኣዝዩ ዑምቆት ዘለዎ ዝገብሮ ኸኣ ኣጀማምራ መልሱ እዩ። "እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም"(ጥ. 4) ይብል። እዛ "ካብ መጀምርታ" ትብል ዓቢ ቁም ነገር ኣለዋ። ብምቅጻል ድማ ካብቲ ቀዳማይ መልሱ ዘይሰንፍ ካልእ ዕምቆት ዘለዎ ዘረባ ተዛረቦም፣ "ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኰኑን" ብምባል፣ ኣጠማምታኡ ኣብ ሓዳር ከም ናይ ሰብ ከምዘይኰነ ኣነጸረሎም። ናይ ፈርሳውያን ቀንዲ ሽግር ግና ሓሳቦም በቲ ድሕሪ ሓጢኣት ዝኣተወ ምድራዊ ሓሳብ ተታሒዙ ስለ ዝነበረ፣ ካብቲ "ካብ መጀመርታ" ዝነበረ ሓሳብ ኣምላኽ ዝተፈለየ ነይሩ። ውዱቅ ብዝዀነ ኣእምሮን ምርዳእን ይነብሩ ስለ ዝነብሩ ድማ ንመደብ ኣምላኽ ርድእዎ ኣይክኣሉን። ካልእ ሕቶ ስለ ዝሓተትዎ ድማ፣ የሱስ ብምቅጻል ፍትሕ ዝብሃል ብምኽንያት ትሪ ልቢ ዝተዋህበ እምበር፣ "ካብ መጀመርታ" ዝነበረ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፣ እታ "መጀምርታ" ትብል ዘረባ እንደገና ደገማ።


ኣምላኽ ክልተ ግዜ ምስ ዝዛረብ፣ ኣዝዩ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ፣ ከነስተውዕል ይግብኣና። ከይንጠፍእ ድማ ናብቲ ዝተባህለና ኣዚና ከነቅልብ ኣለና (እብ2፣1)። ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ የሱስ "ካብ መጀመርታ" ክብል ክልተ ግዜ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ ሓሳብ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ እንታይ ከም ዝነበረ ንኽንምርምር ይድርኸና። ናይ ሰብ ጸገም ግና ድሕሪ ሓጢኣት ዝተገልጸ ዓለማዊ ሓሳብ ሒዙ ስለ ዝመላለስ፣ ንናይ ኣምላኽ ሓሳብ ኣየቋጽሮን እዩ። ሓጢኣት ነቲ ካብ "መጀመርያ" ዝነበረ ሓሳብ ኣምላኽ ኣደብዚዝዎ እዩ። ሰብ ሓሳቡ ብሓሳብ ጸላኢ ስለ ዝተበላሸወን ልቡ ስለ ዝተረረን፣ ንሓሳብ ኣምላኽ ነፊግዎ። ሰብ ብምህሮ ቁልዕነት እዛ ዓለም እንተተታሒዙ፣ ንናይ ኣምላኽ ሓሳብ ከይግዛ ልቡ ይተርር። ሳዕቤን ትሪ ልቢ ከኣ መከራን ሞትን ጥራይ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ሰብ ዝወርድ ዘሎ መግደራ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣምላኽ ግና ንህዝቡ ዝኣተዎ ኪዳን እንተነይሩ፣ “እንደገና ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ፣ ኣብ ልቦም ድማ ክጽሕፎ እየ (እብ8፣10)" ዝብል እዩ። እዚ ተስፋ ድማ ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ የሱስ ተፈጻምነት ዝረኸበን፣ ኣብቶም ብየሱስ ዝኣመኑ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቦም ሓቂ ዝዀነን ኪዳን እዩ። እስኪ ንድህሪት ተመሊስና፣ ሓሳብ ኣምላኽ "ካብ መጀመርታ" ንርአ።


ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል መጀመርታ ዝተጻሕፈ ኣብ ዘፍ2፣18-25 እዩ። ኣቀዲሙ ተባዕታይን ኣንስታይን ዝብል ኣብ ዘፍ1፣27 ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ምስቲ ዳሕራይ ሰብኣይን ሰበይትን ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ርክብን ፍልልይን ንምግላጽ ካብ ጽሑፈይ ወጻኢ እዩ። ትንክፍ ኣቢለ ክሓልፎ ዝደሊ ሓደ ነጥቢ እንተሃልዩ፣ ``ባርያን ጭዋን፣ ሃብታም ድኻን፣ ተባዕታይን ኣንስታይን ዝብሃል ኣብ ኣምላኽ የልቦን`` (ገላ3፣23)። “ሰብኣይን ሰበይትን” ዝብሃል ግና ኣብ ኣጀንዳ ፈጣሪ ኣሎ ኽንያትቱ ናይ ጾታ ፍልልይ አይኰነ፣ ናይ ስራሕ(role) መፍለይ ስማ መጸውዒ ስለ ዝዀነ። ስለምታይ “ሰብኣይ ሰበይትን” ዝብል ቅድሚ ምምላስና ኸኣ፣ "ሰብ" (Doctrine of Man) ክንርዳእ ጽቡቅ እዩ ምኽንያቱ ሱር መበገሲ ቤተሰብ ካብቲ “ሰብ” ዝተባህለን ንሰብ ዝተዋህበን ስለ ዝምንጩ። “ሰብ” ዝብል ብዝግባእ እንተዘይተረዲኡና፣ ኣብ መርዓ ዘለና ኣጠማምታ ሰንኰፍ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።


እ/ሔር ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ ምፍጣሩ፣ "ሰብ" ዝብሃል ኣቀዲሙ ፈጢሩ። ኣብዚ “ሰብ” ድማ ናቱ እንታይነትን ማንነትን ማለት “መልክዕን ምስልን” ኣምቢሩ (ዘፍ1፣26)። እዚ መልኽዕን ምስልን ድማ ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ምሉእ ናይ ኣምላኽ ባህርይ ዘለዎ እዩ። ናይ ኣምላኽ መልኽዕን ምስልን ኣዝዩ ዘይብጻሕ ዕምቆት ዘለዎ እዃ እንተዀነ፣ እ/ሔር ግና ተጓእ ከይበለ ኣብ “ሰብ” ኣምቢርዎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ግሩም እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ነዚ ናይ ``ውሽጢ ሰብ`` ይብሎ። (ኤፌ3፣16, 1ቆሮ4፣17, ቆሎ3፣9,10) ብምቅጻል ድማ ናቱ ዘልኣለማዊ ሓሳብ ማለት "ይግዛእ (dominion)" ድማ ኢሉ ተዛሪቡ። እዚ ድማ መደብ (assignment or purpose) ኣምላኽ ኣብ “ሰብ” እዩ።


``ይግዛእ`` ዝብል ሱር መበገሲኡ ምስ ``ምምላኽ`` ዝብል ዝተተሓሓዘ ከይኑ መሰረታዊ ትርግሙ “`መንግስታዊ ግዝኣት” እዩ ዘመልክት። ሰብ ዝተፈጥረ ናይ እ’ሔር ምንግስቲ ኣብዚ ምድሪ ንምትካል እዩ። እዚ ምስ ገበረ፣ ነዚ "ሰብ" ዝተባህለ “ተባዕታይን ኣንስታይን” ጌሩ ፈጠሮ። “ባረዀ” ድማ። ስለዚ ድማ እዩ እዚ "ሰብ" ዝብል ሓሳብ ክንርድኦ ናይ ግድን ዝዀነ። "ሰብ” ማለት “ጾታ ዘይፈሊ” "መንፈሳዊ ዝዀነ” “ንዘልኣለም ዝነብር" ናይ ሓባር መጸውዒ እዩ። መደብ ኣምላኽ ኣብ (IN) ሰብ ድማ "ኣብዛ ምድሪ ክገዝእን ክመልኽን (dominion) " እዩ። ናይዚ ሓሳብ ቀንዲ ሕመረት ድማ "መንግስቲ ኣምላኽ" እዩ። ምግላጹ ድማ "ሰብ" ዝተፈጥረ ናይ እ/ሔር ማንነትን መልኽዕን ባህርይን ሓሳብን ስልጣንን ኣሰራርሓን ኣብዛ ምድሪ ንምግላጽ እዩ። የሱስ ዝተገልጸውን ነቲ ብሰሪ ዘይምእዛዝ ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ዝወደቀ “ሰብ” ናብ መደብ ኣምላኽ ንምምላስ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ “ካብ ስልጣን ጸልማትናብ መንግስቲ ፍቁር ወዱ ኣእተወና (ቆሎ1)” ይብል። ኣብዚ ዘመን ድማ ሰብ “ወንጌል መንግስቲ” ማቴ24፣ ክንገረሉ ይደለ ኣሎ።


ብምቅጻል ድማ ኣብ ዘፍጥረት 2ይ ምዕራፍ እንተተመልኪትና፣ እ/ሔር ንኣዳም ካብ "ሓመድ" ምድሪ ምስ ፈጠሮ፣ ንምድሪ “ክዓያን ክሕልዋን” ኢሉ ኣብ ገነት ኤደን ኣቀመጦ (ዘፍ2)። ኣቀዲሙ ግና “ክበዝሕን ክባዛሕን ንምድሪ ክመልኣን ክመልካን” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ዘፍ1፣28። እዚ ክልቲኡ ሓሳብ ድማ ንሓድሕዱ ዝተዋሰበ እዩ። ብፍላይ እቲ “ክመልኣ” ዝብል ካብ ምሕዳስ (replenish = fill in, re-fill in) ዝብል ቃል ዝመጸ እዩ። ናይዚ ሓሳብ ትርጉም ድማ፣ ምድሪ ብምልኣ ከም ገነት ኤደን ንምግባር ዝብል መደብ ዝሓቆፈ እዩ። ገነት ኤደን ከም ምሳሌ ኣብ ምድሪ ብምቅማጥ፣ ኣብ ኩላ ድምሪ ንምቅዳሓ ኢሉ ብሸነቅ ምብራቅ ኣቀመጣ። ክምቲ ኣሰራርሓ እ/ሔር ኣብ ገነት ኤደን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ኩላ ምድሪ ንምስፍሕፋሕ እዩ ነይሩ እቲ መደብ። ናይ እ/ሔር ሓሳብ ኣብ ገነት ኤደን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣዳም ኣብ ገነት ኤደን ጥራይ ተቆሊፉ ክነብር ኣይተፈጥረን። እዚ ሓሳብ ድማ ናይ "መንግስቲ" ሓሳብ እዩ። ጐይታ የሱስ’ውን ከምዚ ኢልና ክንጽሊ ኣዚዝና፣ “ከምቲ መንግስትኻን ፍቃድካን ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ማቴ6። ሰብ ኣምላኽ ብዝሃቦን ዝቀረበሉን እናተሓጎሰ ጥራይ ክነብር ኣይተፈጥረን። “ሰብ” ዝተፈጥረ ካብ ምብላዕን ምስታይን ዝዓቢ; ሓሳብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ንምግላጽ እዩ።


እዚ ምስ ገበረ ድማ እ/ሔር ኩሉ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ዝፈጠሮን ዝገብሮን ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ጽቡቕ ነበረ። ነቲ ጽሩያት የዒንቲ ዘለዋኦ፣ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝባላ የዒንቲ ዘለዋኦ፣ ንመላእኽቲ እኳ ከይተረፈ ጉድለት ዝረኽበሎም "ጽቡቅ" እንተኰይኑ፣ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣዝዩ ውቁብን ብሉጽን ምንባሩ የረድኣና። ኣብዚ ኣዝዩ ዘገርም ግና ባህ ዘየብለቶ፣ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ድማ ጽቡቅ ኰይና ዘይተረኽበት ሓንቲ ነገር ምርካቡ እዩ። ንሳ ድማ "ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቅ ኣይኰነን" ዝብል እዩ። ስለምንታይ ግን? እ|ሔር ንሰብ ዝሃቦ መደብን ስራሕን ምስ ረኣየ፣ ሰብኣይ ንበይኑ (single) ክኸውን ጽቡቅ ከም ዘኰነ ተረድኣ። ንቲ ዝተዋህቦ ዕዮ በይኑ ከም ዝግባእ ክዋጽኦ ኣይክእልን እዩ። ኣዳም ዝድግፎ ካልኣይ የድልዮ ነይሩ። ከም ፍታሕ ድማ "ንዕኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ" በለ። ካብቲ ዝፈጠሮ ሰብኣይ ድማ ሰበይቲ ገበረ። "ደጋፊት" ከትኰኖ ድማ ናብቲ ዝፈጠሮ ሰብኣይ ኣምጽኣ። ሰብኣይ ድማ ምስኡ ከትከውን ወሰዳ። “ሰበይቲ” ድማ በላ። ካብዚ ድማ እዩ "ትርጉም ሓዳር" "ምኽንያት ሰብኣይን ሰበይትን" ዝብገስ። እምብኣር ሰብኣይ "ደጋፊት” ንምንታይ” ኣድለየቶ ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ። እዚ ኹሉ ክጠቅሶ ዝጸናሕኩ'ውን ናብዚ ሓሳብ ንምፍላስ እዩ።

3 comments

· 2013-07-26
ጎይታ ይባርክካ፡፡

ካልኣይቲ ክፋል ኣብ 2 ሰሙን አቢለ ከውጽአ እየ።

ሳምሶም ጎይታ ይባርኽካ..ካልኣይቲ ክፋል ምኣስ አታች ክትገብራ ኢኻ?