ጥቕሚ ምንባብ መጻሕፍቲ

Posted on 2014-06-02 · 1337 · 0 · 0

3 resources uploaded

መብዝሕትና ኣብ ብዙሕ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ስለ ዝዓበና መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልምዲ ዳርጋ የብልናን ክበሃል ይከኣል። ገለዉን መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘለዎም ኮይኖም ብኸመይ ከምዘንብቡ ኣይፈልጡን እሞ ብዙሕ ክርብሑ ኣይትርእን። በዚ ኮነ በቲ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትርጉም ኮይና ገለ ሓገዝ እንተኾነትና ብምባል ከካፍለኩም መሪጸ። ስለምንታይ ኢና ክነንብብ ዘሎና? ሓደ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ድዩ ከንብብ ዘለዎ? ምንባብ ኣብ ሂወትና እንታይ ተራ ይጻወት? መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንባብ እንታይ ይብል? ኣብ መንጎ ዘንብብን ዘየንብብን ሰብ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ይመስል? ሂወት እቶም ንጎይታ ብኹልንትንኦም ኣገልጊሎም ዝሓለፉ ኣቦታት ናይ ምንባብ ሂወቶም እንታይ ይመስል? እዞም ሎሚ ብስብከቶምን ብትምህርቶምን ነድንቖም ኣገልገልቲ ብዛዕባ ምንባብ እንታይ ይብሉ? ዝብሉ ሓሳባትን ካልእ ንሂወትና ዝጠቕሙና ጠቕምቲ ፍልጥታዊ መብርሂ ክንርኢ ኢና። ፍቑራት ኣሕዋት እዛ ጽሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዝተተርጎመት ኮይና ገለ ሓሳባት ድማ ናይ ጸሓፊ እዮም።

‘’ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ብምባል ንጢሜቴዎስ ዝመኸሮ ምኽሪ፡ ዝሕብረና ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝንበብ ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ። ኮይኑ ግና ምኽሩ ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራሕ ዝዉሰን ዘይኮነስ ካልኦት መጻሕፍቲዉን ምንባብ ኣድላዩ ከም ዝኾነ ንዕዘብ። ጳዉሎስ ንጢሜቴዎስ ከምጽኣሉ ዝሓተቶ መጻሕፍቲ ስለ ህዝቢ ኣይሁድ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ሙሴን ነብያትን ዝተጻሕፉ መብርሂ ወይ ኣብቲ ዘመን ብዝነበሩ ጸሓፍቲ ዝተጸሓፉ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ዘረብኡ ኮነ መልእኽቱ ጳዉሎስ ካብናይዞም ደረስቲ ጽሑፍ ከምዝጠቅስ ይፍለጥ። ንሙማት ዝተረፎ ግዜያት ሒደት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ሙኻነን እናፈለጠ ግዚኡ ብምንባብ እንበር ትም ኢሉ ከሕልፎ ኣይፈተውን። ኩሉ ግዜ ናይ ምምሃር ዝንባለ ስለ ዝነበሮ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ተመሃራይ ኮይኑ ኣሕለፎ።

ዊልያም ቴንድል ዝበሃል ሰብ ምስዚ ናይ ጳዉሎስ ዝመሳሰል ታሪኽ ኣለዎ። ብ 1536 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ብሰማእትነት ምሕላፉ ቁሩብ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ዘመን ንዝነበረ በዓል ስልጣን ሓደ ሓደ ነገራት ናብቲ ዝተኣስረሉ ቦታ ከእትወሉ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ከምዚ ይብል። “ሙቐት ዝህብ ቆብዕ፡ መብራህቲ ዚኾነኒ ሽሞዓ፡ ዝንባለይ ዝጽሕፈሉ ቁራጽ ጨርቂ…ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ እብራይስጢ መጽንዒ ሰዋስዉ፡ ናይ እብራይስጢ መዝገበ ቃላት ንኽልኣኽለይ ብትሕትና ይሓትት። ቅድሚ ሙማተይ ሒደት ግዜያት ብመጽናዕቲ ከሕልፈን እደሊ።”

ጳዉሎስ ኮነ ቴንድል ቅድሚ ብሰማእትነት ምሕላፎም ዝተረፋኦም ቅሩብ እዋናት ብምንባብን ብምጽናዕን ናይ ምሕላፍ ድሌት ነበሮም።

ብትግሃት ምንባብን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ቃል እግዝኣብሄር ምጽናዕን ንሓደ መንፈሳዊ መራሒ ብጣዕሚ ኣድላዩ ምኻኑ ክንርኢ ኢና። ይኹን እንበር ቀንዲ ኣተኩሮና ዝኽዉን ንቓል እግዝኣብሄር ንምጽናዕ ዝሕግዙና ካልኦት መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላዩ ምኻኑ ንምብራህ እዩ።

ብስነ-ኣእሙራዊ ኮነ መንፈሳዊ ሂወቱ ክዓቢ ዝደሊ ሰብ ግዚኡ ምስ መጻሕፍቲ ክሕልፍ ይግባእ። ፍሉጥ ጠበቓ ወይ ናይ ሕጊ ሰብ ሞያኡ ንምዕባይ ንጉዳያት ብቐረባ ይመራመር። ኣብ ሕጊ ገለ ገለ ምምሕያሻት ከይህሉ ዝወጹ ጽሑፋት ይከታተል። ከምኡዉን መንፈሳዊ መራሒ ቃል እግዝኣብሄርን ኣተረጋግሙኡን ነቶም ምኽሪ ደልዮም ዝመጽዎ መእመን ኮነ ካልኦት ሰባት ንምርዳእ ወትሩ ከንብብ ይግብኦ። ብዝበለጸ ብሉጽ ኮይኑ መታን ክርከብ ምስ ሰባት ንዝህልዎ ርክብ ብተወሳኺ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ክመርጽ ይግባእ። ኣብዚ ዘመን ርዝን ዝበሉ መጻሕፍቲ በቶም ናይ ቅድም ሰባት ዝተጻሕፉ ጠቐምቲ ጽሑፋት ምንባብ ግዚኡ ዝሓለፈ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሰባት ዝበዝሐ ግዚኦም ኣብ ምዝንጋዕ የሕልፍዎ። ብዙሓት ሰባት መጻሕፍቲ ከንብቡ ግዜ ከምዘይብሎም ክዛረቡ ትሰምዕ። ንመንፈሳዊ መራሒ ግና ከምዚ ዓይነት ምኽንያት ፈጺሙ ኣየድልዮን።

ጆን ዊስሊ ልዑል ፍቅሪ ምንባብ ነበሮ። ዝበዝሐ እዋን ኣብ ዝባን ፈረሱ ኮይኑ የንብብ ከም ዝነበረ ይዝረበሉ። ሓደ ሓደ እዋን ተስዓ ዝበዝሐ እዋን ግና ሓምሳ ማይልስ ይጉዓዝ ነበረ። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዑምቀት ኣንቢቡ። ብዛዕባ ሳይንስ ታሪኽ ወይ ሕክምና ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ኣብ ፈረሱ ጽዒኑ ብምጉዓዝ የንብብ ነበረ። ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ተምሃራይ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፎም ዓመታት ብቓንቃ ግሪክ ዝተጻሓፈ ሓዲሽ ኪዳን፡ ቀጺሉ ክርስቶስ ምምሳል፡ ዝተቐደሰ ኣነባብራን፡ ሞሎኮታዊ ጻውዒትን ዝብሉ መጻሕፍቲ ኣብ ኣእምሮ ዊስሊ ሰፊሕ ቦታ ተዋሂብዎም ነይሩ። እዞም መጻሕፍቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሎም መንፈሳዊ መምርሒ ኮይኖሞ ክብሃል ይከኣል። “ኣንበብቲ ኩኑ ተዘይኮይኑ ኣገልግሎትኩም ኣቃርጹ” ብምባል ኩሉ ግዜ ንተኸተልቱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ጠቐምቲ መጻሕፍቲ ምንባብ ንናይ ሓደ ሰብ ኣእምሮ ይምገብ። መንፈሳዊ ሂወቱ ይሕደስ። ብኣገልግሎት ሙሉእ ኮይኑ ንኽርከብ የኽእል።

ዶክተር ኤ ደብልዩ ቶዘር ዝተብሃሉ ፍሉጥ መንፈሳዊ ሰብ “መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ጥቕምን ዝተሰሓሓተ ኣናብባን” ኣብ ዝተሰምየ ኣርእስቲ ኣብ ሓደ መጽሄት ዘቕረብዎ ጽሑፍ ከምዝስዕብ ኢሎም።

ኣብዚ ዘመን ዘለው ክርስቲያናት ናይ ጥንቲን ዓበይቲ መጻሕፍትን ምንባብ ዝኸበዶም ስለምንታይ እዩ? ከም ሓቂ በኣእምሮና ካብ ኣቦታትና ዝነኣስና ኣይኮንናን። ባህግናን ድሌትናን እንተኾይኑን እንተጽዒርናን ንሳቶም ዝተረድኦም ንኽርድኣና ኣየጸግመናን። ንዓናውን ከምናታቶም ኣእምሮ ኣሎና። ኣብዚ ዘመን ዘለና ሰባት ብሉጻት መጻሕፍቲ እናስተማቐርና ከነንብብ ካብ ሽግርና ካብ ምርዳእ ወይ ዘይምርዳእ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ስለዝኾነ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ንምንባብ ገዛእ ርእስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍላይን ካብ ዓለማዊ ነገራት ምግላልን ይሓትት። እዚ ዝገብሩ ናይ ዘመንና ክርስቲያናት ግና ሒደት እዮም። ልዑል መንፈሳዊ ልምምድ ናይ ዝነበሮም ኣቦታት መጻሕፍቲ ኣንቢብካ ምርዳእ ከቢድ ኣይኮነን። ይኹን እንበር ንሳቶም ናብ ዝነበርዎ ልዑል ደረጃ ብዝወጻና ቁጽሪ ኣየር እናሓጸረና ይመጽእ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሑ እግዚኣብሄር ባዕሉ እስትንፋስ ዝኾነሎም እዮም። ጥንታዊ ክርስትያናዊ መጻሓፍቲ ኣንቢቦም ንኸይርድኡ ሰባት ዝሽገሩ ሓደ ምክንያት ንኽፍልጡ እንበር ክእዘዙ ስለዘይደልዩ እዩ።

ምንባብ ኣድላዪ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ?

“ወትሩ ንቑሓት ኮንኩም ንክትርከቡን ራእይን ምልዕዓል ክህልወኩም ትደልዩ እንተኾንኩም መጻሕፍቲ ኣንብቡ” ይብሉ ሓደ ፍሉጥ ሰብ። እዚ ሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሓዳስ መርዕቱ ንዕረፍቲ ክኸዱ እንከለው ብዙሕ መጽሓፍቲ ሒዞም ከምዝኸዱ ይዝረበሎም።

ቤክን ዝበሃል ሊቅ ንምንባብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፦

“ሓሳብ ንምርካብ ኢልካ ኣይተንብብ ንምዝንጋዕን ንምምርማርን ይኹን። ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ክምርመሩ ይግብኦም። ንምቅዋም ወይ ንምድጋፍ ኢልካ ኣይተንብብ ንምእማን ወይ ዘንበብካዮ ኩሉ ኣሜን ኢልካ ንምቕባል ወይ ንዘረባኻ መመቀሪ ዝኾነካ ኢልካ ኣይተንብብ። ገለ ኣብኡ ከሎኻ ይወሓጡ። ገለ ገለ ግና ክሕየኹ ክስተማቀሩን ክበላልዑን ኣለዎም” ኢሉ።

ሓደ ካልእ ሰብ ድማ ብዛዕባ’ዚ ምኽሩ ከካፍለና እንከሎ

“እነንብቦ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ፍልጠት ንምክዕባት እንተኾይኑ ወይ ካብ ካልኦት በሊጽና ክንርከብ ወይ ሊቃውንቲ ንምባል እንተኾይኑ ብፍጹም ኣይጠቕመናን። ኣረ ጎዳኢ እዩ” ይብል።

መንፈሳዊ መራሒ ከንብብ ዘለዎ መንፈሳዊ ምንቅቓሕን ግንዛበ ንምርካብን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንዘምብቦም መጻሕፍቲ ብጥንቃቕ ከምዝምረጽ የኽእሎ። ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ልብን ኣእምሮን ይምርምሩ። ናብ ልዑል ደረጃ ድማ የብጽሑ። ከምዚኦም ዓይነት መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ባህሊ ክበራታዕ ይግብኦ።

መንፈሳዊ መራሒ ዘንብብ መንፈሳዊ ሂወቱ ንምሕዳስ ኣእምሮኡ ንምምጋብ ንኽነቓቓሕን ሓደስቲ ሓሳባት ንምርካብን ክኸውን ኣለዎ። ናይ ስብከትን ምስትምሃርን ምጽሓፍን ክእለቱ ንምዕባይ በቀራረብኡ ምሉእነት ክርከቦን ትጉህ ኣንባቢ ክኸውን ይግብኦ። እዚ ንምግባር ድማ ብዓበይቲ ሰባት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ዝሓሸ ኣማራጺ የልቦን። እዞም መጻሕፍቲ ናይ ቃላት ክእለትና የማዕብሉ። ምሕሳብ ይምህሩ ናይ ኣዘራርባ ክእለትና ንምብልጻግ ይረድኡ።

ቤክን እንኪዛረብ “ታሪኽ ምንባብ ኣስተውዓሊ ይገብር፡ ቅኔታት ምንባብ ዘረባኻ ንምምቃር ይጠቅም፡ ሕሳብ ኣመዛዛኒ ይገብር፡ ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍና ጥልቀት፡ ስነ ምግባር ቁም ነገረኛ፡ ሎጂክ ድማ ነገራት ምምዝዛን ክንክእል ተኸራኺርና ክንረትዕ ከምንክእል የረድኡ።” ይብለና።

መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላይ ዝኾነሉ ካልእ ምኽንያት ድማ ግዝያዊ ሓበሬታታት ንምርካብ ስለዝረድኡና እዩ። ከምዚ ዘመን ሓበሬታ ንምርካብ ቀሊል ዝኾነሉ ዘመን ብፍጹም ኣይነበረን። እቲ ቀንዲ መንገዲ ሓበሬታ ዝርከበሉ ድማ ብምንባብ እዩ። ስለ ዝኾነ ስለዘለኻዮ ግዜን ኩነታትን ንምፍላጥ ንኣገልግሎት ንዝምልከት ብኹሉ ኣንፈት ድሉው ኮንካ ንምርካብ መንፈሳዊ መራሒ ከንብብ ይግብኦ። ምስቶም ወነንቲ ዓበይቲ ኣእምሮ ሓባራዊ ኣመለኻኽታ ክህልዎ ከንብብ ኣለዎ። ብመገዲ ጽሑፋቶም ቅድሚ ዘመናት ምስ ዝነበሩ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ሕብረት ምግባር ይከኣል።

ካልእ ይትረፍ ሓንቲ መጽሓፍ ብምንባብ ዝርከብ ጥቕሚ ካብቲ እንግምቶ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እግዚኣብሄር ብኣደናቒ መንገዲ ዝተጠቕመሎም ዓበይቲ ኣገልገልቲ ሂወት ታሪኽ ዘንበበ ሰብ ከምዝተረድኦ እንተኾይኑ እዞም ሓሳባት ኣብ ኣገልግሎቶም ዝተነቓቕሑን ናብዚ ዓይነት ልምምድ ዝበጽሑ ቻርለስ ጀ ፊኒ ዝተባህለ ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዝጸሓፎ ኣንቢቦም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ ናይ ሂትለር ሓንቲ መጽሓፍ ብምንባቦም ጥራሕ ብዙሓት ንዓመታት ተሓባበርቱ ንምኻን ከምዝተለዓዓሉ ይፍለጥ። ካብቲ ሓቂ መንገዲ ናይ ዝዘንበሉ ሰባት ዝጸሓፍዎ መጽሓፍቲ ምንባብ ናይ ብዙሓት ሂወት ከምዝተበላሸወ ይፍለጥ።

እንታይ ዓይነት መጻሓፍቲ ምንባብ የድሊ?

ዓርኪ በዓል መን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ናይ ሓደ ሰብ መንነት ምፍላጥ ከምዝከኣል ዘንብቦም መጻሕፍቲ ሓቀኛ ባህሪኡ የርእዩ። ምኽንያቱ ዘዘውትሮም መጻሕፍቲ ናይ ውሽጣዊ ጥሜቱን ድሌቱን መንጸባረቒ ብምኻኖም። ኣብዚ ዘመን ብዝሒ ዘለዎም መንፈሳውን ዓለማውን መጻሕፍቲ ብምህላዎም መሪጽና ክነንብብ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩልና ይርከብ። ተልእኾና ክንፍጽም እንክእል ብጣዕሚ ዝጠቕሙና መጻሕፍቲ መሪጽና ምሰ እነንብብ እንበር ዝረኸብናዮ ምስ እንግፍጥ ኣይኮነን። ብካልእ ኣዘራርባ ናይ ምንባብ ልምድና ብመንጽር እንሰርሖ ስራሕ ከምኡውን ክንገብሮን ክንኮኖን ብእንደልዮም ነገራት ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ።

ማቲው ኦርዎርልድ ዝበሃል ፍሉጥ ምሁር ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ መጻሕፍቲ ብጣዕሚ ጥቕሚ ዘለዎ ሓደ ክርከብ ይከኣል ዝብል ኣመለኻኽታ ነበሮ። ዌብስተር ድማ ዝረኸቦ ኩሉ ካብ ምንባብ ሒደት ኣስተማቒሩ ምንባብ ይኣምን ነበረ። ብዙሕ መጻሕፍቲ ላዕሊ ላዕሊ ካብ ምንባብ ሒደት መጻሕፍቲ ህድእ ኢልካ ምንባብን ምርዳእን ይሓይሽ። እዚ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ክዛረብ እንከሎ “ብዙሕ መጻሕፍቲ እንተንቢብካ እትዝክሮም ሒደት እዮም” ኢሉ። ሳሙኤል በርግሰን ዝተብሃለ ጸሓፊ እንታይ ዓይነት ቅኔታት ምንባብ ከምዝፈቱ /ከምዝመርጽ/ ክገልጽ እንከሎ፡ “ልዑል ስነ ምግባራዊ ገጸ ባህሪያት ዘለዎም ቅኔታት ምንባብ ይፈቱ ናይ ሓደ ሓደ ጽሑፍ ብርሃን ኣለዎ ሙቐት ግና የብሉን። ኣነ ግና ሙቐትን ብርሃንን እደሊ። ሓደ ሓደ ዝወጸሎም ቓነይቲ እካ እንተኾይኑ ንኣይ ግና ኣየነቓቕሑንን። ጽቡቓትካ እንተኾኑ ብቓላት ይጻወቱ እንበር ዝቕጽል ቁምነገር የብሉን። ኣብ ምንጎ ቕዱስ ጽባቐን ተራ ጽባቐን ልዑል ፍልልይ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ልዑልን ክቡርን ናብ ዝኾነ ናብ እግዚኣብሄር ባህሪይ ልዕል ክብል እንከሎ እቲ ካልኣይ ግና ስምዒትካ የለዓዕል ብዙሕ እዋን ናብ ዘይጠቅም ታህዋኽን ፈንጠዚያን ይወስድ።” ይብል።

ሰር ደብልዩ ሮበርት ሰን ዝተብሃሉ ምሁር ድማ ዝረኸብዎ ኩሉ ካብ ምንባብ ናይ ዓበይቲ ሰባት ታሪክ ምንባብ የዘውትሩ ነበሩ። ንሶም ከም ዝብልዎ ከምዚ ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝመረጽሉ ምኽንያት ስብእና ዝተላበሱ ብምኻኖም እዮም። ናይ ዓበይትን ንዕላምኦም ርእሶም ዝሃቡ ሰባት ታሪኽ ዘንብብ ሰብ ንሱውን ከምኣቶም ንምኻን ልዑል ድሌት የሕድር። ንምኻኑ ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ንምብጻሕ ልዑል ተጋድሎ ናይ ዝገበሩ ሰባት ሂወት ታሪኽ ክንብብ እንከሎ ልቡ ንኣገልግሎት ዘይለዓዓል መን እዩ? ብምባል ኣሰባብኽኡን ኣመሃህርኡን ፍሉጥ ዝነበረ ሰብ ድማ ኩል ግዜ ናይ ዓበይቲ ሰባት ሂወት ታሪኽ ካብ ጎኑ ከምዘይሰኣን ይዝረበሉ። ካልእ ሰብ ድማ ‘’ናይ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ሂወት ታሪኽ ምንባብ ናይ ክርስቲያናዊ ትምህርቲ ሓደ ኣካል እዩ። ንኣገልግሎትና ዝጠቕሙ ሓየሎ ምሳሌታት ንረኽበሎም። ጠቓሚ ባህርይ መርሚርና ንምርዳእ የክእሉና። ንገዛእ ሂወትና ዕላማ ክህልወና ይሕግዙና። ነቲ ዕላማ ብኸመይ ክነትግብሮ ከምንኽእል መንገዲ የርእዩና፡ ንዘየድልዩ ትምኒታት ንምውጋድን ኣድላይነት ንዕላማኻ ብጽንዓት ንምቓምን ይምህሩና ‘’ይብል።

መንፈሳዉያን መራሕቲ ዘንብብዎም መጻሕፍቲ ዘገልግሎም ሰባት ብጣዕሚ ዝተለመዱ ወይ ንሳቶም ዝፈልጥዎም ጥራይ ክኾኑ የብሎምን ወይ ድማ ቅልል ብዝብሉን ምስ ስርሖም ዝተተሓሓዙ መጻሕፍቲ ጥራይ ክዓግቡን ክውሰኑን የብሎምን። ብናይ ምንባብ ስፍሓትን ልምድን ምርዳእን ካብቶም ሓቢሮም ዘለውን ዘገልግሎምን ክሓልፉ ኣለዎም። ኣብ ዝኾነ ግዜ ካባና ዝኾነ ነገር ንምሓዝ ክንጋዬ ኣሎና። እንሰማማዓሉ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንሰማማዓሉ ወይ ካብቲ ዝሓዝናዮ ኣመለኻክታ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክነንብብ ኣሎና። ምሳና ስለዘይተሰማምዑ ጥራይ ክንፈርድ ኣይንተሃወኽ። ብዝተኻእለ መጠን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንጽጻር ናይ ኣመለኻኽተኦም ልክዕነት ወይ ስሕተት ክንምርምር ይግባእ። ንሕና ባዕልና ከየንበብና ካብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወገን ብዝሰማዕናዮ ጥራይ ጸሓፍቲ ኣይንወግዝ። ሓደስቲ ሓሳባት ምፍራሕ ወይ ብሓደስቲ ሓሳባት ካብ ኣቓምና ክንናወጽ የብልናን። ስለዚ ሓደ መራሒ ብኣገልግሎቱ በሊጹ ንምርካብ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ፍረ ዘለዎ ንክኸውን መጻሕፍቲ ከንብብ ኣለዎ።

ብኸመይ ክነንብብ ከምዝግብኣና፦

ብሓደ መዳይ ክንሪኦ እንከለና ምንባብ ማለት ብጽሑፍ ዝሰፍሩ ሓሳባት ምምሃር ማለት እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ላዕሊ ላዕሊ ዘይኮነስ ዘቕርቦ ሓሳባት እንናስተማቐርካን እናገናዘብካን ምንባብ ይሓትት ምንባብ ቀሊል እዩ። ዘንበብናዮ ብኣእምሮ ምሓዝን ኣብ ተግባር ምውዓልን ግና ከቢድ እዩ። እሞ እዚ ምግባር እንተዘይከኣልና ጥቕሚ ምንባብ እንታይ እዩ?

ሓደ ገጣሚ ንሓንቲ መንፈሳዊት ሰበይቲ ‘’ምሉእ መዓልቲ ከንብብ ይውዕል’’ምስ በለ ምሉእ መዓልቲ ክተንብብ እንተዊዒልካ ንምስልሳል ክንደይ ግዜ ይህልወካ’’ብምባል ሓተተቶ። ሓሳብካ ከይኣከብካ ምንባብ ይከኣልዩ። ይኹን እንበር ዘንበብናዮ ተዘይሓሰብናሉ ምንም ጥቕሚ የብሉን። ፓርሰሊስ ስፐርጀን ዝተብሃለ ፍሉጥ ሰባኺ ከምዚ ብምባል ተምሃርኡ ይመክር ነበረ።

እተንብቦም መጻሕፍቲ ካብ መጀመሪያ ክሳብ መጨረሻ ብጽሓዮም። ናብ ውሽጦም የዕሚቕካ እቶ ጠቓሚ መጻሕፍቲ እንተረኸብኩም ደጋጊምኩም ኣንብብዎ መዘከርታ ጥራዝ ሓዙ። ዘንበብኩም ኣብ ሓንጎልኩም ኣመዛዝኑ። ብኸምኡ ላዕሊ ላዕሉ ዕስራ መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ብምስትውዓል ዝንበብ ሓደ መጽሓፍ ጥራይ ንናይ ሰብ የእሙሮ ናይ ምምዝዛን ተክእሎኡ የዕቢ። ብታህዋክ ዘንብብ ሒደት ይፈልጥ ኮይኑ ግና ብዙሕ ይዕበ። ሓደ ሓደ ሰባት ብዙሕ የንብቡ ዘንበቡዎ ግና ኣይሓስብሉን ስለዝኾነ ኣእሙርኦም ስንኩል ይኸውን። ከተንብቡ ከለኹም መምሪሒኹም ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ መጻሕፍቲ ኣብ ቁምነገር ይኹን።

ካብ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ቀጻሊ ጥቕሚ ንምርካብ ንዝደሊ ኩሉ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዙሕ ኪሕግዝዋ ከምዝኺእሉ ይሓስብ።

1. እተንብብዎ ብመጠን ይኹን። ሓደ ሓደ እዋን ብዙሕ ምንባብ ዝንጉዕ ይገብር ስለዚ ክትሕዝዎ እትኽእሉ ኣንብቡ ከምቲ ኣዕሩኽትኹም እትመርጹ መጻሕፍቲ ምረጹ።
2. ፒሮን ወረቐትን ሒዝኩም ኣንብቡ። ኣእሙሮኹም ፍሉይ ናይ ምዝካር ተኽእሎ እንተዘይብሉ ብዙሕ ብዘንበብኩም መጠን ዘንበብኩሞ ምዝካር ኣይከኣለኩምን። መዘከርታ ወረቐት ናይ ምሓዝ ልምዲ እንተለኩም ግና እንተረሳዕኩም እካ ተመልሰኩም ትዝክርዎ ኢኹም። መዘከርታ ወርቐት ናይ ምሓዝ ልምዲ ኣማዕብሉ። እዚ ልምዲ ከመይ ዝበለ ናይ ምዝካር ተኽእሎኹም ከም ዘምዕብሎ ተመሊሱ ንገዛእርእስኹም ከገርመኩም እዩ።
3. ንልብኩም ዝተንከዮ ንቐጻሊ ክትዝክርዎ እትደልዩ ሓሳብ እተስፍርሉ ናብ ዝኾነ ሒዝኩም እትኸዱ ወረቐት ይሃልውኩም። ኣብዚ ወረቐት ናይ ባዕልኹም ሓሳብ ክተስፍሩ ትኽእሉ። በዚ መልክዕ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ጎንኹም ዘይፍለን ኣብ ዝደለኩሞ ግዜ እትጥቀምሉ ቅርሲ ትሕዙ።
4. እተንብብዎም ምስ ካልኦት መጻሕፍቲ ብምምስኻር ትኽክልነቶም ኣረጋግጹ መልእኽቱ ዘይተረዳእኩም ወይ ዘይጨበጥኩሞ ሓንቲ ሓረግ ኣይትሕለፉኩም።
5. ኣእምሮ ብቐሊሉ ክስሕት ይኸእል ስለዚ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ኣንብቡ ፍልይ ዝበለ ነገር ንኣካል ከምዚዕርፍ ኩሉ ንኣእሙሮውን የዛንዮ።
6. እተንብቦም መጻሕፍቲ ዝተፈላለየ እንተኾነካ ብዝከኣል መጠን ንሓድሕዶም ዝደጋገፉን ናይ ኣተሓሳስባ ኣድማስኩም ዘስፍሑ ይኹኑ ንኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ጥንቲ ዝነበረ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ታሪኽ ሂወት ኣብተንብብሉ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ኩነታት ከመይ መልክዕ ከምዝነበሮ ንምፍላጥ መታን ክሕግዘኩም ናይቲ እዋን ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ምንባብ ይጠቅም።

ኣብ ተግባር ምስነውዕሎ ካኖንያት ዝተብሃለ ሰብ ንምንባብ ብዝምልከት ብጣዕሚ ጠቓሚ ምኽሪ ይህብ። ንሱ ከም ዝብሎ ዝኾነ መጽሓፍ ብሰለስተ መንገዲ ምንባብ ይከኣል። ቀዳማይ ቅልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎ ንባብ እዩ። ድሕሪዚ ኣብቲ ኣእምሮ ዘንብቦ ከምዝሓስብን ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣቐዲሙ ንዝፈለጠ ንምግንዛብ ግዜ ንህቦ። ካብዚ ብምቅጻል ነቲ ኣቐዲመ ዝፈልጦ ነገር እንታይ ተወሳኺ ፍልጠት ከምዝሃበና ንሕሰብ። እቲ ካልኣይ ህድእ ኢልና ብጥንቃቐ ብዝርዝርን ምስትውዓልን ድሒርና መታን ክንዝክሮ መዘከርታ ጥራዝ ሒዝና እነንብቦ እዩ። እዚ እንተጌርና ናብቲ ሳልሳይ ናይ ምንባብ ሜላ ንሳጋገር። ሳልሳይ ናይ ምንባብ ሜላ ቅልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎን እካ እንተኾነ ኣብቲ መጽሓፍ ዘለው ሓሳባት ምስ ሓሳባት እናራኸብና ገጽ እንኮላይ ንጽሕፍ። ንቐጻሊ ስለቲ ጉዳይ ስፍሕ ዝበለ ኣፍልጦ ንምርካብ እንተደለና በቶም ቁጽሪ ናይ ገጻት ብምውጻእ ምሉእ ሓሳባት ምርካብ ይከኣል።

ኣብ ስኮትላንድ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ካብ ዓሰርተው ሸውዓተ ሽሕ ዘይውሕዱ መጻሕፍቲ ከምዝነበርዎን ደስ እናበሎ ግዚኡ ምስዞም መጻሕፍቲ የሕልፎ ከምዝነበረን ይንገር። ወዱ ክእንከሎ ‘’ምንም እካ ስብከታት ንምድላው ስፊሕ ግዜን ድኻምን እንተሓተቶ ኣብ መንጎ መጻሕፍቱን ስብከቱን ምንም ርክብ ኣይነበሮን’’ ኢሉ።

ሓደ መራሒ ኣብዚ ልዕል ጥንቃቕ ክገብር ይግብኦ። ብመሰረቱ መጻሕፍቲ ኣተሓሳስባታት ካብ ሓደ ኣእምሮ ናብ ካልእ ዘመሓላልፎም መንገድታት እዮም። ኣብ ላዕሊ ዝተመለከትናዮም ኣገልጋሊ ካብ ዘንበቦም መጻሕፍቲ ሂወቱ ይጥቀም እምበር ካብ ንባብ ዝረኸቦ ፍልጠት ግና ንኻልኦት ከካፍል ኣይከኣልን። ናይዚ መጽሓፍ ጸሓፊ መጻሕፍቲ ምንባብ ብጣዕሚ ዝፈቱ ኣብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ዝነብር ኣገልጋሊ ይፈልጥ። ብቕዱሳት መጻሕፍቲ ብስነ መለኮታዊ ትምህርትን ዝተሃንጸ ማሕበረ ምእመን ንኽህልዎ ዝጀመሮ ጻዕሪ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ነይሩ። ልክዕ ከምኡ ኩሎም መጻሕፍቲ ክፈትውን ዝተፈላለየ ርዝነትን ፍልጠትን ዘለዎም መጻሕፍቲ ከምዘንብቡ ብምግባር ቀስ ብቐስ ንመጻሕፍቲ ዘለዎም ፍቕሪ እናወሰኸ መጸ። ካብዚ ዝተላዕለ ኣብዛ ገጠር ዝነብሩ ሓረስቶት መጻሕፍቲ ብምእካብ ሓደ መጠነኛ ቤት መጻሕፍቲ ከምዝኸፍቱ ገበሩ። ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ኣገልገልቲ ጥቕሚ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ብምርዳእ ናይ ቤተክርስቲያኖም ሰባት ፍቕሪ ምንባብ ከም ዝህልዎም ክገብሩ ይኽእሉ።

0 comments