1. ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ

2. ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡

3. ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡበለ

4. ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት

5. ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ

6. ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ

7. ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ

8. ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ

9. ድሕርዚ ድማ ርኤኹእንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡

10. ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ

11-12. እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜንውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹንኣሜንእናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ

13. ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮምካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ

14. ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥበልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ

15. ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ።

16-17. እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖምኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።