1. እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ

2. እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ

3. ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።

4. ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

5. እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆንዅሉ እሕድሶ አሎኹበለእዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍበለኒ

6. ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ።

7. እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ።

8. እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

9. ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓትሰበይቲ እቲ ገንሸልክርእየካስ ንዓእናበለ ተዛረበኒ

10-11. ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

12. ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ።

13. ብምብራቕ ሰለስተ ደገብሰሜን ሰለስተ ደገብደቡብ ሰለስተ ደገብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ።

14. ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ።

15. እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ።

16. እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ

17. ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ።

18. እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል።

19. መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ

20. እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ።

21. እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ

22. እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞመቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን

23. እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።

24. ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም።

25. ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ።

26. ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም።

27. እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።