1. እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤኪብል ከሎ ሰማዕኩ

2. ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦእናሰዓረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ

3. ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማእቲ ኻልኣይ እንስሳንዓ እሞ ርኤኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ

4. ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦ

5. ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳንዓ እሞ ርኤኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆመጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን አለዎ።

6. ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናርሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናርዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእኪብል ከሎ ሰማዕኩ

7. ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤኪብል ከሎ ሰማዕኩ

8. ርኤኹውን እንሆቡላ ፈረስስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም

9. ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ

10. ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮምእናበሉ ጠርዑ

11. ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም

12. ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነጸሓይ ከም ወጮ ጸለመትወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት

13. ኦም በለስብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ

14. ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ

15. ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ

16. ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉናበልዎም

17. እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል