1-2. ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺሃሌሉያፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ

3. ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌሉያበሉትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ

4. እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽኣሜንሃሌሉያእናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ

5. ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱንኣምላኽና ወድስዎዚብል ድምጺ ወጸ

6-7. ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያመርዓ እቲ ገንሸል በጺሑመርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

8. ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።

9. ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮምጽሐፍበለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ

10. ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድበለኒ

11. ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹእንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀልብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን

12. ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ

13. ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ።

14. ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ

15. ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ

16. ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታትጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ

17-18. ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባእናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ

19. እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ

20. እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም

21. እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ