1. ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየሰበይቲጸሓይ ተወንዚፋወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።

2. ጥንስቲ ኸኣ እያብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት።

3. ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየእንሆሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንንኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል

4. እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።

5. ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲተባዕታይወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ

6. እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት

7. ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም

8. ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን

9. እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ

10. ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ

11. ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን

12. ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውንተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም

13. እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ

14. ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍርክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ

15. እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ

16. ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ

17. እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ

18. ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።