1. ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።

2. ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ አላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ

3. ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ

4. እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውንነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎዚብል ድምጺ ሰማዕኩ

5. እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡

6-7. ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎንንምድርን ኣብኡ ዘሎንንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረንዘለኣለም ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ

8. እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ

9. ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ ነታ መጽሓፍ ሀበኒበልክዎንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ።

10. ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡

11. ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ