1. ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ

2. ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኪግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን አሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርኤኽዎ

3. ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን

4. ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበብዙሕ በኼኹ

5. ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከእንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳእቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎበለኒ

6. ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።

7. ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ

8. ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትንነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞምእዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ

9-10. ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻእናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ

11. ርኤኹ ድማኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ።

12. ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ።

13. ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ

14. እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ