1. ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብበለኒ

2. ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩእንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።

3. እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስልነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።

4. ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናትኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ

5. ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።

6. ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል አሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ።

7. እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስልእቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስል

8. እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ

9. እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብርክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡

10-11. እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።