1. ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲኪዱ፡ ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ

2. እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱ ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ ወጾም

3. እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋእ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ

4. እቲ ሳልሳይውን ጽዋእ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰደም ከኣ ዀነ

5. እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካንእዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡

6. ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮምዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

7. እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩኪብል ከሎ ሰማዕኩ

8. እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ

9. እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን

10. እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ

11. ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቝሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን

12. እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ

13. ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ

14. እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም

15. እንሆከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።

16. ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም

17. እቲ ሳብዓይውን ጽዋእ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ

18. በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ

19. እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት

20. ብዘለዋ ደሴታት ሀደማኣኽራንውን ኣይተረኽቡን

21. ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ