1. እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ

2. ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆመሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ።

3. ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን

4. እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱንንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም።

5. ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም

6. ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ

7. ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉበለ

8. ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓወዲቓእናበለ ሰዐቦ

9. ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦምብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ

10. ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ

11. ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።

12. እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።

13. ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ

14. ርኤኹ ድማ፡ እንሆጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ።

15. ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ

16. እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደምድሪውን ተዐጽደት

17. ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ

18. ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶበለ

19. እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ

20. እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚኣክልክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ