1. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱኣይትፍራህኣይትሸበርተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ

2. ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ።

3. እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰዶዶም

4. ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞምርአዩ፡ ነታ ኸተማብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሐቑ። ኵልኹም ከኣ እተዳሎኹም ኩኑ

5. ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቐባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።

6. ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ አለዉ፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡናስ፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም፡ ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩምነታ ኸተማ ሓዝዋ

8. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋብሓዊ ተኵስዋከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩእንሆኣዚዘኩም አሎኹ።

9. እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብቲ ዚድበቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይንከይዶም ከኣ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡእያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረ

10. ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቘጺሩ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ዓይ ደየበ

11. እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበቀሪቦም ከኣ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦምበብሴሜን ዓይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከኣ ለሰ ነበረ

12. ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም

13. ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎምእያሱ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ

14. ኰነ ኸኣ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡንብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቲ ጐልጐል ወጹብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ።

15. እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ

16. ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢኪሰጕዎም ብኣውያት ተአከቡንእያሱ ድማ ሰጐጕዎካብታ ኸተማ ኸኣ ተሳሕቡ

17. ኣብ ዓይኒ ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤልን ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሐዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡ

18. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዅናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮበሎ። እያሱ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዅናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ

19. እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓቀልጢፎም ካብ ስፍራኦም ተንስኡ እሞ ጐይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኰስዋ

20. እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ዀነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀደሙ ህዝቢ ከኣ ናብቶም ሰጐጕቶም ኣቢሎም ተመልሱ

21. እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን፡ እቶም ድቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩተመልሱ እሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም

22. እቲኣቶም ከኣ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከኣ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኰኑ። ንሳቶም ድማሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑንቀተልዎም

23. ንንጉስ ዓይ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ

24. ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ነቶም ኵሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጕዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረካ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚወድኡ ኸኣ ኵሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ

25. እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዘወደቑ ዅሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኵሎም ሰብ ዓይዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኰኑ።

26. እያሱ ድማ፡ ንብዘለዉ ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ዅናት ዝዘርሔት ኢዱ ኣይመለሳን

27. እስራኤልከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ

28. እያሱ ኸኣ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ዑና ዅምራ ዘለኣለም ገበራ

29. ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ ኣዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ።

30. ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል መሰውኢ ሰርሓሉ

31. ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ተጽሒፉ ዘሎመሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረሓጺን ዘይተከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉመስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ

32. እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ።

33. ድማ ኵሉ እስራኤልን ዓብይቱን መኳንንቱን ፈረዱንጓና ከም ወዲ ዓዲንታቦት በዝን በትን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞምፍርቆም ብሸነኽ ከረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ብሸነኽ ከረን ዔባል ቈሙ

34. ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ

35. ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን