1. እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦንንነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።

2. ኣብ ርስቶም ዝዀና ኸኣ፡ ብኤር-ሻባዕን ሸባን ሞላዳን

3. ሓጻር-ሹዓልን ባላን ዓጸምን

4. ኤልቶላድን በቱላን ሖርማን

5. ጲቅላግን ቤት-ማርከቦትን ሓጻር-ሱሳን

6. ቤት-ለባኦትን ሻሩሔንንዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

7. ዓዪንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንንኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

8. ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓላት-ብኤር፡ ንሳ ኸኣ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ዅለን ዓድታትርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።

9. ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ደቂ ይሁዳ ዀነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ

10. እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎምዶብ ርስቶም ከኣ ክሳዕ ሳሪድ እዩ።

11. ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዮቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ

12. ካብ ሳሪድ ከኣ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ኪስሎት-ታቦር ይምለስ፡ ናብ ደብራት ወጺኡ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ

13. ካብኣ ኸኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋት-ሔፈርን ናብ ዒታ-ቃጺንን ይሐልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ

14. እቲ ዶብ ድማ ንእኣ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ከኣ ይወጽእ

15. ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዪድኣላን ቤት-ልሄምንዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

16. ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን

17. እቲ ራብዓይ ዕጭ ንይሳኮርንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም

18. ዶቦም ድማ ናብ ይዝርኤል ኬሱሎትን ሹነምን ይበጽህ።

19. ናብ ሓፍራዪምን ሺኦንን ኣናሓራትን

20. ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን

21. ሬመትን ዔን-ጋኒምን ዔን-ሓዳን ቤት-ጳጼጽን

22. እቲ ዶብ ከኣ ናብ ታቦትን ሻሓጺማን ቤት-ሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእዓሰርተው ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

23. ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን

24. እቲ ሓምሳይ ዕጭ ከኣ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም

25. ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡

26. ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከኣ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖር-ሊብናትን ይበጽሕ

27. ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤት-ዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕ-ኤል ኣብ ሰሜን ቤት-ዔመቅን ነዒኤልን በጺሑብጸጋም ካቡል ይወጽእ

28. ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ።

29. እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዐርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ

30. ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብንዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን

31. ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን

32. እቲ ሳድሳይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም

33. ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓናኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚ - ኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ

34. እቲ ዶብ ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖት-ታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴርብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ

35. እተን እተዐርዳ ኸተማታት ድማ፡ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን

36. ኣዳማን ራማን ሓጾርን

37. ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔን-ሓጾርን

38. ዪርኦንን ሚግዳል-ኤልን ሖሬምን ቤት-ዓናትን ቤት-ሸመሽንዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን።

39. ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን

40. እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም

41. ዶብ ርስቶም ድማ ጾርዓን ኤሽታኦልን ዒር-ሽመሽን

42. ሻዓላቢንን ኣያሎንን ዪትላን

43. ኤሎንን ቲምናታን ዔቅሮንን

44. ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን

45. ይሁዳን በነ-ብራቅን ጋት-ሪሞንን

46. መ-ያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ

47. እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንለሼም ተዋጊኦም ሐዝዋብስሕለት ሴፍ ከኣ ኣጥፍእዋወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሐሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከኣ፡ ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ

48. ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን

49. ነታ ምድሪ በብዶባ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሀብዎ

50. ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማቲምናት-ሴራ ሀብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ

51. እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዀይኖም፡ ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ። ምምቃል እታ ምድሪ ኸኣ ወድኡ