1. እቲ ዕጫ ደቂ ዮሴፍ ድማ ካብ ዮርዳኖስ ጥቓ ያሪኮ ብወገን ምብራቑ ንማይ ያሪኮ፡ ካብ ያሪኮ ድማ በቲ ናብ ከረን ቤት-ኤል ዜደይብ በረኻ ወጸሎም

2. ካብ ቤት-ኤል ናብ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሐልፍ

3. ብምዕራብ ከኣ ዶብ ያፍለጣውያን ክሳዕ ዶብ ታሕታይ ቤት-ሖሮንን ክሳዕ ጌዘርን ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይወጽእ

4. ደቂ ዮሴፍምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ

5. ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ ዶብ ርስቶም ብምብራቕ ዓጣሮት-ኣዳር ክሳዕ ላዕላይ ቤት-ሖሮን እዩ።

6. እቲ ዶብ ብወገን ምዕራብ ከኣ ንሰሜን ሚክመታት ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ታኣናት-ሺሎ ዞይሩ ናብ ምብራቕ ያኖኣ ይሐልፍ

7. ካብ ያኖኣ ኸኣ ናብ ዓጣሮትን ናብ ናዓራን ይወርድ፡ ናብ ያሪኮ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ

8-9. ካብ ታጱኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቃና ሐሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ቃናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኵለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚኣተን እየን።

10. ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየውጽእዎምን እሞ፡ እቶም ከነእናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ አለዉገባሮም ከኣ ኰኑ።