1. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2-3. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ኪዀናኹም፡ እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቈቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን

4. ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ

5. ነቲ ብጻዩቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጐጎ፡ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ

6. ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ

7. እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ።

8. ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ እታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ።

9. እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲኪሀድመለን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።