1. እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዐርዎም እሞ ምድሮም ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስብምብራቕ ጸሓይ፡ ካብ ርባ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐልጐል ድማ ዘወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም።

2. እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ኻብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን እተዳውብ ርባ ያቦቅ ዚገዝእ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን

3. ድማ እቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ኪነሮት፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ክሳዕ ባሕሪ ጐልጐል፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ናብ መገዲ ቤት-የሲሞትንደቡብ ድማ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ

4. ድማ ዶብ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ንሱ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዚቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ።

5. ንሱ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ብዘሎ ባሳንን ክሳዕ ዶብ ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ዶብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ይገዝእ ነበረ።

6. ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄርን ደቂ እስራኤልን ወቕዕዎም፡ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ድማ እታ ምድሮም ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ሀቦም

7. እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፡ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓል-ጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ዝነበሩ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ዝወቕዕዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። እያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ ንርስቲ ሀቦም

8. ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ኣብ ጐቦታትን ኣብ በረኻን ኣብ ደቡብን ሔታውያንኣሞራውያንከነኣናውያንፈረዛውያንሃዋውያንይቡሳውያን ድማ፡

9. ንጉስ ያሪኮ ሓደ፡ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ዘላ ዓይ ሓደ፡

10. ንጉስ የሩስሌም ሓደ፡ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፡

11. ንጉስ ያርሙት ሓደ፡ ንጉስ ላኪሽ ሓደ፡

12. ንጉስ ዔግሎን ሓደ፡ ንጉስ ጌዘር ሓደ፡

13. ንጉስ ደቢር ሓደ፡ ንጉስ ጌደር ሓደ፡

14. ንጉስ ሖርማ ሓደ፡ ንጉስ ዓራድ ሓደ፡

15. ንጉስ ሊብና ሓደ፡ ንጉስ ዓዱላም ሓደ፡

16. ንጉስ ማቄዳ ሓደ፡ ንጉስ ቤት-ኤል ሓደ፡

17. ንጉስ ታጱኣ ሓደ፡ ንጉስ ሔፌር ሓደ፡

18. ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፡ ንጉስ ላሻሮን ሓደ፡

19. ንጉስ ማዶን ሓደ፡ ንጉስ ሓጾር ሓደ፡

20. ንጉስ ሺምሮን-ሜሮን ሓደ፡ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፡

21. ንጉስ ታዓናክ ሓደ፡ ንጉስ መጊዶ ሓደ፡

22. ንጉስ ቀደሽ ሓደ፡ ንጉስ ዮቅነዓም ኣብ ቀርሜሎስ ሓደ፡

23. ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ሓደ፡ ንጉስ ጐዪም ኣብ ጊልጋል ሓደ፡

24. ንጉስ ቲርጻ ሓደ። ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት እዮም።