1. ኰነ ኸኣ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን

2. ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጐልጐልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቈላን ኣብ ምዕራብን በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት

3. ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለኣኸ።

4. ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባህሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሁ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረላን ወጹ

5. እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ተኣከቡ፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ መጺኦም ድማ፡ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ

6. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህኣፍራሶም ክትቅንጅብሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ፡ በሎ

7. እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡብድንገት ሓደጋ ወደቖም

8. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሀቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን፡ ክሳዕ ሚስረፎት-ማይም ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጺጳ ሰጐጕዎምሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም

9. እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮምኣፍራሶም ቀንጀበሰረገላታቶምዉ ብሓዊ ኣንደደ

10. ሓጾር ድማ ነዘን ኵለን መንግስትታት እዚ ኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማኤን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ጊዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛንንጉሳ ኸኣ ሰየፎ

11. ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎምትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈንንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ

12. እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታትንን ሐዘ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸኣ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም

13. ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን

14. ኵሉ ምርኮ እተን ከተማታት እዚኤንን ማልን ደቂ እስራኤልን ንርእሶም ማረኽዎ። ንዅሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዜጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎምትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን

15. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞእያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሐደገን

16. እያሱ ኸኣ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኵሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጐሼንን ቈላን ጐልጐልን ኣኽራን እስራኤልን ቈላኡን ሐዘ

17. ካብቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓል-ጋድ፡ ንዅሎም ነገስታቶም ሐዘወቒዑ ድማ ቀተሎም

18. እያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግኤ

19. ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዐርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንዅለን ተዋጊኦም ሐዝወን

20. ምእንቲ ፈጺሙ ኼጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞምእንቲ ኼጥፍኦምምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኰነ።

21. በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም።

22. ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያንን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ።

23. ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ፡ ንብሃገራ ሓዛ፡ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሀቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት