1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎምእያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ

2. ንብዘለዉ እስራኤልንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም፡ ኣነ አሪገ፡ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ተዋጊኡልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኵሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ዅሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።

4. ርአዩ፡ ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም፡ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ኪሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ድማ፡ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።

6. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ዅሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትዘብሉስኣዚኹም ጽንዑ

7. ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን

8. ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን።

10. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጎም እዩ።

11. ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለዉ

12. ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡

13. ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ

14. እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገርሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን

15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ።

16. ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።