1. ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪብንያማዊ ሰብአይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናንዎ እስራኤልነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሔ

2. ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶምንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዐቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ የሩሳሌም ሰዐብዎ።

3. ዳዊት ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደንኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይአተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዐጽየን ነበራ።

4. ንጉስ ድማ ንዓማሳንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ከኣ ኣብዚ ተረኸብበሎ

5. ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ኬኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ጊዜ ደንጐየ

6. ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይሕጂ ሸባት ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ኪኸፍኣና እዩ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቚሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎበሎ

7. ሽዑ ናይ ዮአብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጵለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ።

8. ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራከቦም። ዮአብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ ተዐጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተኦአጢቑ ነበረ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ

9. ዮአብ ድማ ንዓማሳደሓንዶ አሎካ ሓወይኢሉኪስዕሞ ብየማነይቲ ኢድ ጭሕሙ ሓጾ።

10. ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ነይሩ ከብዱ ወግኦኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሔ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተዮአብን ኣቢሻይን ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ

11. ሓደ ሰብአይ ካብ ገላዉ ዮአብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ኪኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ ይብል ነበረ።

12. ዓማሳ ከኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ፡ እቲ ሰብአይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረአየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዚብል ምስ ረአየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ

13. ካብ መገዲ ምስ ኣልዐልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሐለፈ

14. ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤት-ማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሐለፈ። ንሳቶም ድማ ተአኪቦም ደድሕሪኡ መጹ

15. መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዚቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮአብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ኬውርድቖ የፍርሶ ነበረ።

16. ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም ንዮአብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብበሉለይ፡ ኢላ ጨደረት

17. ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብበለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ፡ ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ አሎኹበሎ

18. ንሳ ድማ፡ ቀደምምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕይበሀል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ

19. ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻከ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደይ ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ አሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ፡ ተዛረበት።

20. ዮኣብ ድማ፡ እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ።

21. ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬምኣብ ንጉስኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጠራይ ደኣ ሀቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ከኣ ንዮኣብእንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርየልካ ኢና፡ በለት

22. ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸትርእሲ ሸባኦ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሔ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮአብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ

23. ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ።

24. ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ትሓዝ ደብተር ነበረ።

25. ሸያእ ድማ ጸሓፊ ነበረ፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ።

26. ዒራ ያኢራም ድማ ናይ ዳዊት ካህን ነበረ።