1. ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም።

2. ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮአብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይወዲ ጽሩያ ሓው ዮአብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም

3. እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሀደምና፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሐስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ አዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድአና ይሐይሽ፡ በሉ

4. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብርበሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ

5. እቲ ንጉስ ከኣ ንዮአብን ንኣቢሻይን ንኢታይንምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ኪእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።

6. እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።

7. ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ዕስራ ሽሕ ዚአክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ።

8. ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ

9. ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስደስ ዓብዪ ድዋ አተወትርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሐለፈት።

10. ሓደ ሰብአይ ድማ ርእዩ ንዮኣብእንሆንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ

11. ዮአብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብአይ፡ እንሆ፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ድአ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ፡ ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሀብኩኻ ነይረ፡ በሎ

12. እቲ ሰብአይ ከኣ ንዮኣብንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎምስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ነርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተ ዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን

13. ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ኰንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዚሕባእ ነገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ።

14. ሽዑ ዮአብከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሴሎም ሸኸተን

15. ዓሰርተ መንእሰይጋሻ ዛግረ ዮአብ ከኣ ንኣቤሴሎም ከበብዎወቒዖም ድማ ቀተልዎ

16. ዮአብ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ዮኣብ ነቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ

17. ንኣቤሴሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ዂምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ

18. ኣቤሴሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይንኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎወሲዱ ነቲ ኣብ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ኸኣ ብስሙ ሰመዮክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይበሀል አሎ።

19. ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስእግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደኣ ኸበስሮበለ

20. ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ መዓልቲ ደኣ ተበስርወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ

21. ዮአብ ግና ነቲ ኩሻዊኪድዝርኤኻዮ ንንጉስ ንገሮበሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ

22. ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎዮአብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዚመጸካ ነገር ዜብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪበሎ

23. ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ

24. ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ዘብዔኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካባብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብአይ ረአየ

25. እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ አሎ፡ በለእናጐየየ ድማ ቐረበ

26. እቲ ዘብዔኛ ኸኣ ካልእ ሰብአይ ኪጐዪ ረአየ፡ ሽዑ እቲ ዘብዔኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብአይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዜበስር እዩ፡ በለ

27. እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ንአይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይረአየኒ፡ በለንጉስ ከኣ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዜምጽእ እዩ፡ በለ።

28. ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስሰላም ኢሉጨደረብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዐሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽበለ

29. እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሐንዶ አሎ፡ በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ንዮአብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ንጊልያኻን ኪልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኤኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩንበለ

30. እቲ ንጉስ ከኣ፡ እግሊስካ ኣብኡ ደው በልበሎ። ኣግሊሱ ድማ ደው በለ።

31. እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በይኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራትበለ

32. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓንዶ አሎ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንንጉስን ንኽፉእካ ዚትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ

33. ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየእናኸደ ኸኣ ከምዚ በለወደይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ፡ ወድይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ።