1. ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጹሉ ጊዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶንደቂ ዓሞን ኣጥፊኦም ድማ ንራባ ከበብዋዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።

2. ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ኪማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረአያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ።

3. ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሐተተእዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓምሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ

4. ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ኣተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት

5. እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ

6. ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለአኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ

7. ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሐተተ

8. ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድኣእጋርካውን ተሐጸብበሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዐቦ

9. ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን

10. ንዳዊትኡርያስ ናብ ቤቱኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን፡ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካበሎ

11. ኡርያ ኸኣ ንዳዊትታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ጐጆታት ይነብሩ አለዉጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ገይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም አለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክአቱህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየበሎ

12. ዳዊት ከኣ ንኡርያሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየበሎኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ

13. ዳዊት ምስ ጸውዖ ድማኣብ ቅድሚኡ በልዔን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኺድቅስ ወጸናብ ቤት ግና ኣይወረደን

14. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉብኢድ ኡርያ ሰደደሉ

15. ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሐፈ

16. ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ

17. ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎካብቲ ህዝቢ፡ ካብ ገላዉ ዳዊት ገለ ወደቑኡርያ ሔታዊውን ሞተ

18. ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ

19. ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ

20. ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡

21. እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የሩበሼት መን እዩ ዝቐተሎሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ፡ ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም፡ ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱበሎ

22. እቲ ልኡኽ ድማ ከደመጺኡ ኸኣ እቲ ዮኣብ ዝለአኾ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ።

23. እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊትእቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም።

24. እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎምካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱጊልያኻ ኡርያእቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ፡ በሎ።

25. ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽንዮኣብ ከምዚ በሎሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዚውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ።

26. ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔትንሰብኣያ በኸየትሉ

27. ሓዘና ምስ ሐለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኡኹ ናብ ቤቱ ወሰዳሰበይቱ ኸኣ ኰነትወዲ ድማ ወለደትሉእዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ።