1. ንዮአብ ድማ፡ እንሆ፡ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይጒህን አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

2. እቲ ንጉስስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሐዘነ፡ እቲ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ስዕረት ናብ ጓሂ ተለወጠ

3. ኣብ ኲናት ብምህዳሞም ሐፊሮም እናተጸቕጠ ኸም ዚኸዱ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ እናተጸቕጠ ናብ ከተማ ኣተወ

4. እቲ ንጉስ ከኣ ገጹ ኸዲኑ ነበረ፡ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉወደይ ኣቤሴሎምኣቤሴሎም ወደይ፡ ኢሉ ጨደረ

5-6. ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት አትዩ በሎ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዚፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዜብልካ፡ ሎሚ አፍለጥካኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመዉት፡ ሽዑ ቕኑዕ ኰይኑ ኸም ዚረአየኻን፡ ሎሚ ፈለጥኩ። ሎሚ ንገጽ እቶም ነፍስኻን ነፍሲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ነፍሲ ኣንስትኻን ነፍሲ ኣንስቲ ወሰንካን ዘድሐኑ ዂሎም ገላውኻን ኣሕፈርካዮ

7. ሕጂ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእንልቢ ገላዉኻ ድማ ተዛረብ። እንተ ዘይወጻእካ ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሐድርብእግዚኣብሄር እምሕል አሎኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ህጂ ዝመጸካ ኽፉእ ድማ፡ እዚ ኪኸፍኣካ እዩ።

8. ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠእንሆ፡ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ አሎ፡ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸእስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሀዲሙ ነበረ።

9-10. ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሀዲሙ አሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ፡ ኢሎም ተኻትዑ።

11. ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናትጻዶቅን ኣብያታርን፡ ከምዚ ኢሉ ለአኸሎምንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎምዘረባ ዂሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይከ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዳሕሮት ኰንኩም፡

12. ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ዓጽመይን ስጋይን ኢኹም፡ ስለምንታይ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኰንኩም፡

13. ንዓማሳውን ከምዚ በልዎ፡ ንስኻስ ዓጽመይን ስጋይን ደይኰንካን፡ ንስኻ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንወርትግ ኣብ ቅድመይ መስፍን ሰራዊት እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ።

14. ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸኣ ንልቢ ዂሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከኣ፣ ንስኻን ኲሎም ገላውኻን ተመለሱ፡ ኢሎም ለአኹ

15. ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ሰብ ይሁዳ ድማ ከይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎ፡ ናብ ጊልጋል መጹ

16. ሺምዒወዲ ጌራ ብንያማዊ ብዓል ባሔሪም፡ ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ዀይኑ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ

17. ካብ ብንያም ከኣ ሽሕ ሰብአይ ምስኡ ነበሩ፡ ጺባ ግልያ ቤት ሳኦል ድማ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ገላዉኡን ከኣ ምስኡ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ዮርዳኖስ ተሳገሩ።

18. ስድራ ንጉስ ዚሳገሩሉዝደለዮውን ኪገብረሉ ታንኳ ተሳገረሺምዒ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ

19. ንንጉስ ድማ፡ ጐይታይ ነቲ ኣበሳ ኣይሐዘለይ፡ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ የሩሳሌም ዝመጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኸኣ ኣይትዘክሮ፡ ንጉስ ኣብ ልቡ ደኣ ኣየንብሮ

20. ኣነ ኸም ዝበደልኩጊልያኻ ፈሊጡ እዩ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ቕድሚ ዂላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፡ ጐይታይ ንጉስ ንምቕባል መጻእኩ፡ በሎ።

21. ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና፡ ሺምዒ ንቕቡእ እግዚኣብሄር ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመዉትዶ ኣይግብኦን እዩ፡ ኢሉ መለሰ

22. ዳዊት ድማ፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብአይ ይመውት፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፡ ሎሚ ተጻረርቲ እተዀኑኒ፡ ምሳኻትኩም ዝገብሮኸ እንታይ አሎኒ፡ በለ

23. ንጉስ ከኣ ንሺምዒኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። ንጉስ ድማ መሐለሉ

24. መፊቦሸት ወዲ ሳኦልውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝአተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየንጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሐጸበን ነበረ።

25. ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ንጉስ፡ ኣታ መፊቦሸት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ፡ በሎ

26. ንሱ ድማ በለጐይታይ ንጉስጊልያኻ ሓንካስ እዩ እሞ፡ ኣድጊ ጽዒነስ ተወጢሔያ ምስ ንጉስ ክኸይድ፡ ኢሉ ነበረ፡ ግናኸ ጊልያይ ኣታሊሉኒ

27. ንሱ ድኣ ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ነገር ሰርሓሉጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ባህ ዘበለካ ግበር

28. ብዘላ ቤት ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፡ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል አሎኒ፡ ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ

29. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንምንታይከ ናይ ነገርካ መሊስካ እትዛረብ፡ እቲ ግራት ንስኻን ጺባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፡ በለ

30. መፊቦሸት ድማ ንንጉስጐይታይ ንጉስ ብደሓን ንቤቱ እንድሕሪ ተመልሰስ፡ ኵሉ እኳ ይውሰዶ፡ በሎ

31. ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም ወሪዱ፡ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ኬሰንዮ ኢሉ፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።

32. ባርዚላይ ድማ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኰይኑ፡ እምብዛ ሸምጊሉ ነበረ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ኣብ መሓናይም ከሎ ይምግቦ ነበረ።

33. ንጉስ ከኣ ንባርዚላይ፡ ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ፡ በሎ

34. ባርዚላይ ግና ንንጉስ በሎ፡ ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን፡

35. ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣየ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፡ ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፡ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ አልየ፡ ስለምንታይ ደኣ ደጊምከ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ፡

36. ጊልያኻ ምስ ንጉስ ቅሩብ ግዳ ንዮርዳኖስ ክሳገር። ስለምንታይከ ንጉስ እዚ ውሬታ እዚ ዚመልሰለይ

37. ኣብቲ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ዘለዎ ኣብ ከተማዶ ክመውት ጊልያኻ ኽምለስ እልምነካ አሎኹ። ጊልያኻ ኪምሃም ግና፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገርንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ

38. ንጉስ ከኣ፡ እምበአርሲ ኪምሃም ምሳይ ይሳገር፡ ንእኡ ድማ ባህ ዜብለካ ኽገብረሉ እየ፡ ንኣኻውን ካባይ እትደልዮ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልካ እየ፡ በለ

39. ብዘሎ ህዝቢ ከኣ ዮርዳኖስ ተሳገረንጉስውን ተሳገረ። ንጉስ ድማ ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖናብ ቦታኡ ድማ ተመልሰ፡

40. ንጉስ ከኣ ናብ ጊልጋል ተሳገረኪምሃምውን ምስኡ ተሳገረ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ።

41. እንሆ ድማ፡ ኲሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መጺኦም ንንጉስ፡ እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ስለምንታይ እዮም ዝሰረቑኻ፡ ንንጉስን ንስድራኡንንዂሎም ናይ ዳዊት ሰብውን ምስኡ፡ ዮርዳኖስ ኣሳገርዎም፡ በልዎ

42. ኲሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤልንጉስ ንኣና ስለ ዚቐርብ ኢና፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኹም በዚ ነገር እዚ እትዂርዩ፡ ካብ ንጉስዶ ገለ ብልዒ በሊዕና ኢና፡ ወይ ገለ ህያብዶ ሂቡና እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም

43. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ አሎና፡ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለጸ መሰል አሎና፡ ስለምንታይከ ነዐቕኩምና፡ ንንጉስና ንምምላስ ቅድም እተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኰናን፡ ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤልሲ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ