1. ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔኣእዳዉ ዘርጋሕ በለብዘለዉ እስራኤል ከኣ ሰምበዱ

2. ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓናስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቚጸር

3. እቶም ብኤሮታውያን ናብ ጊታዪም ሀዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኰይኖም አለዉ።

4. ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጐድኤ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጒዚቱ ድማ ሒዛቶ ሀደመት። ኰነ ኸኣ፡ ቀልጢፉ ኽትሀድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።

5. እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊሬካብን ባዓናን ከዱመዓልቲ ምስ ደሀረ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ

6. ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬካብን ባዓና ሓዉን ኣምለጡ

7. ናብ ቤቱ ምስ አተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቀተልዎርእሱ ቘረጹርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ጐልጐል ከዱ።

8. ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት፡ ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉበልዎ

9. ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉንደቂ ሪሞን ብኤሮታዊከምዚ ኢሉ መለሰሎምእግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐና

10. ነቲ ዘበሰረ መሲልዎስእንሆ፡ ሳኦል ሞይቱኢሉ ዝነገረኒብስራቱ ንምኽፋል ሒዙ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።

11. ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮንካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ

12. ዳዊት ድማ ንገላዉኡ ኣዘዞምንሳቶን ከኣ ቀተልዎምኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቈራረጽዎምኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎምርእሲ ኢሽ-ቦሸት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ