1. ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም በሎ፡ በጃኻ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብአይ ሐርየስ ተንሲኤ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ

2. ሽዑ ደኺሙን ኣእዳዉ ዘርጋሕጋሕ ኢለን ከለዋን፡ ሓደጋ ወዲቐ ኸሰምብዶ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢውን ይሀድምንንጉስ በይኑ ኸኣ እቐትሎ

3. ንዂሉ ህዝቢ ድማ ናባኻ እመልሶ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብአይሲ ዂሎም ከም እተመልሱ እዩ፡ ሽዑ ንዅሉ ህዝቢ ሰላም ይኸውን።

4. እዚ ዘረባ እዚ ንኣቤሴሎምን ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ባህ ኣበሎም

5. ኣቤሴሎም ግና፡ እስኪ ንሑሻይ ብዓል ኣርኪ ኸኣ ጸውዕዎንሱ ዚብሎ ድማ ክንሰምዕ፡ በለ

6. ሑሻይ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣሒቶፌል ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛሪቡ አሎ፡ ነቲ ዘረባኡስ ንግበሮዶ፡ እንተ ዘይኰነስ ንስኻ ተዛረብ፡ በሎ

7. ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎምኣሒቶፌል በዚ ጊዜ እዚ ዝመኽሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነንበሎ

8. ሑሻይ ድማ መሊሱ በሎኣቦኻን እቶም ሰቡን ከኣ ጀጋኑን ኣብ መሮር ኰራኲራ ኸም ዘግደፍዋ ዝብኢ መረርቲ ነፍስን ከም ዚዀኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብአይ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ኸኣ ኣይሐድርን

9. እንሆ ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተሐቢኡ አሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብመጀመርታ ኻባታቶም ገለ እንተ ወደቑ፡ እቲ ዝሰምዔ ዘበለ፡ እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዐበ ህዝቢ ተሳዒሩ እዩ፡ ኺብል እዩ።

10. ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝዀነ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ሓያላት ምዃኖም ብዘሎ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሽዑ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈጺሙ ኺመክኽ እዩ።

11. ስለዚ ኸም ሑጻ ባሕሪ ምእንቲ ኺበዝሕብዘሎ እስራኢል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባኦ ናባኻ ኪኸትትባዕልኻውን ናብቲ ውግእ ክትከይድእመክር አሎኹ።

12. ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚወድቕ፡ ኣብ ሓንቲ ዚርከበላ ቦታ ንውደቆ። ካብኡን ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ሓደ እኳ ኣይነትርፍን።

13. ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ አተወ ድማ፡ ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ነታ ኸተማ እቲኣ በግማድ ይኸባንእሽቶ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይርከባ ድማ፡ ናብ ርባ ኽንስሕባ ኢና።

14. ሽዑ ኣቤሴሎምን ብዘለዉ ሰብ እስራኤልን፡ ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ ብዓል ኣርኪ ይበልጽበሉእግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኼምጽአሉስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኪዝርዝር ኣዚዙ ነበረ።

15. ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናትንጻዶቅን ንኣብያታርንኣሒቶፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ኢሉ መኸሮን፡ ኣነ ኸኣ ከምዝን ኢለ መኸርኩ

16. እምበኣር ሕጂ፡ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሐጡስ፡ ብዝዀነ ተሳገር እምበር፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት በረኻ ኣይትሕደር፡ ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎቀልጢፍኩም ልአኹሉበሎም

17. ዮናታንን ኣሒማዓጽን ድማ ኣብ ዔን-ሮጌል ደው ኢሎም ነበሩ፡ ናብ ከተማ ኣትዮም ኪረአዩ ኣይከአሉን እሞ፡ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ

18. ግናከ ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፡ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱኣብ ባሑሪም ኣብ ቤት ሓደ ሰብአይ ኣተዉ፡ ኣብ ደምቤኡ ድማ ዔላ ነበረቶ፡ ናብአ ኸኣ ወረዱ

19. እታ ሰበይቱ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ኽይርእዮምሲ፡ ማእሲ ወሲዳ ኣብ እታ ዔላ ዘርግሔት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒዱእ ስገም ሰጥሔት እሞ፡ ገለ ነገር ኣይተፈልጠን

20. ገላዉ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት ናብታ ሰበይቲ መጺኦም ከኣ፡ ኣሒማዓጽን ዮናታንን ኣበይ አለዉ፡ በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ርባ ማይ ተሳጊሮም፡ በለቶም። ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ምስ ሰአንዎም ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

21. ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስ ከዱ፡ እቲኣቶም ድማ ካብቲ ዔላ ወጺኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎንዳዊት ድማ፡ ኣሒቶፌል ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገሩበልዎ

22. ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ ድማ፡ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይተረፈን

23. ኣሒቶፌል ከኣ ነቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየኣድጉ ጽዒኑተንሲኡንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደቤቱ ኣስተናቢሩ ድማ ተሐኒቑ ሞተ። ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸኣ ተቐብረ

24. ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም መጸኣቤሴሎም ከኣ፡ ንሱን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ምስኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ

25. ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንዓማሳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞዓማሳ ድማ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንኣቢጋል ጓል ናሓሽሓብቲ ጽሩያ ኣደ ዮአብኣትይዋ ነበረ።

26. እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሰፈሩ

27. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ማሓናይም ምስ ኣተወሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ ናይ ደቂ ዓሞንማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ካብ ሎ-ድባርባርዚላይ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም

28-29. ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዮን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዓራውትን ጭሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጓን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም