1. ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም አሎና፡
2-3. ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ።
4. ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡
5. ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡
6. ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ አሎና።
7. ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ።
8. እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን።
9. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
10. እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም አሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም።
11. ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ።
12. ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን።
13. ምእንቲ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን።
14-15. ከመዮ፤ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጕደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ፡ እሞ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
16-17. ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
18. ምስኡውን ነቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓዉ ሰዲድና አሎና።
19. እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
20-21. ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ አሎና።
22. ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ በዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ አሎና።
23. ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም።
24. እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...