1. ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቍብ ንጅምር አሎና፡ ወይስ ከምቶም ገሊኦምዶ እተማዕቍበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እያ፧
2. ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም።
3. ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
4. ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ አላትና፡
5. ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።
6. ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።
7. ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ካብ መጸትሲ፡
8. ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧
9. እታ ኣገልግሎት ኵነኔ ኻብ እትኽበር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዓዝዝ፧
10-11. እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ክንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዚዐዛ ኽብሪ ኽብርቲ ኣይኰነትን።
12. እምብኣርሲ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ አሎና፡
13. ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ከይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና።
14. ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንተጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ አሎ።
15. ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ አሎ።
16. ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።
17. ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ።
18. ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...