1. ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቍብ ንጅምር አሎና፡ ወይስ ከምቶም ገሊኦምዶ እተማዕቍበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እያ፧

2. ኣብ ልብና እተጻሕፈትኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም

3. ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።

4. ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ አላትና

5. ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።

6. ፍዴል ይቐትልመንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና

7. ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ካብ መጸትሲ፡

8. ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን

9. እታ ኣገልግሎት ኵነኔ ኻብ እትኽበርክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዓዝዝ

10-11. እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ክንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዚዐዛ ኽብሪ ኽብርቲ ኣይኰነትን

12. እምብኣርሲ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትናብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ አሎና፡

13. ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ከይርእዩሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና።

14. ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንተጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ አሎ።

15. ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ አሎ።

16. ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።

17. ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ።

18. ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ