1-2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለናንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይንሐለልን ኢና።

3. እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ

4. እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ

5. ማለት፥ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና።

6. እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ

7. ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።

8. ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡

9. ንስጐጕድርቡያት ግና ኣይኰንናንይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

10. ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና።

11. ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና አለዉ

12. እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ አላ።

13-14. ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቝመና እናፈለጥናከምቲኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወናንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ አሎና።

15. እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኼዕዝዝኵሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።

16-17. እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

18. እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።