1. እዚ ምምጽኤይ ናባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም።
2-3. ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዅላቶም ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር አሎኹ።
4. ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ክንነብር ኢና።
5. ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።
6. ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽተፈልጡ፡ ተስፋ እገብር አሎኹ።
7. ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን አሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰነናን።
8. ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን እዩ።
9. ንሕናን እንተ ደኸምና፡ ንስካትኩምን እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ አሎና።
10. ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሃበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም አሎኹ።
11. ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
12. ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
13. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...