1. ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ።

2. ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩምንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።

3. ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።

4. ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩምጽቡቕ ትዕገስዎ አሎኹም

5. ኣነ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያ ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን

6. ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና።

7. ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧

8. ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን

9. ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰአንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩንብዅሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ አሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ።

10. ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን።

11. ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ

12. ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ።

13. ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።

14. ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

15. ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

16. ከም ብሓድሽ ከኣ እብል አሎኹ፡ ሓደ እኳዓሻ ኸም ዝዀንኩኣይምሰሎእንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ

17. እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኹ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ።

18. ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ።

19. ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም አሎኹም።

20. ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሓጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩምትዕገስዎ ኢኹም።

21. ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል አሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ካልእ ዚደፍረሉብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፦ ኣነውን እደፍር እየ።

22. እብራውያን ድዮምኣነ ኸኣእስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ።

23. ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ።

24. ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ

25. ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረትለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዓልኩ

26. ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ።

27. ብዕዮን ብጻዕርንብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾምብቝርን ብዕርቃንን ነይረ።

28. ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ።

29. መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ዘይኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ

30. ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ።

31. እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ።

32. ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐለዋ

33. እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ