1. ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም አሎና።
2. ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።
3. ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።
4. ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡
5. ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡
6. ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡
7. ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡
8. ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡
9. ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡
10. ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብሎም ኴንና ንርኤ አሎና።
11. ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣካትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ።
12. ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ።
13. ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፦ ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ አሎኹ፦ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ።
14. ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
15. ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧
16. ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።
17. ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡
18. ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...