1. እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይእዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ

2. ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን

3. ምሳና ንሙማት ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ አሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንደይንኹም ኣይኰንኩን

4. ኣባካትኩም ብዙሕ ትብዓት አሎኒትምክሕተይ ብኣካትኩም ዓብዪ እዩብምጽንናዕ መሊኤ አሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዅሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ።

5. ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን

6. እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና

7. ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልናበቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድማ እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝየ እተሐጐስኩ

8. በታ ደብደበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዓስን እየ። እታ ደብደበ እቲኣንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ አሎኹ እሞ፡

9. ካባና ገለ ጕድኣት ምእንቲ ኸይትረክቡስከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጕሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጕሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ።

10. ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ

11. እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዘየምጽኣልኩምክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብኵሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም

12. እምብኣርሲ እንተ ጸሐፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኪግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ።

13. ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስመንፈሱ ብዅላትኩም ስለ ዝቐሰነብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና

14. ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዅሉ ብሓቂ ዝነገርናኩምከምኡውን እቲ ትምክሕና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን

15. ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎምእዛዝ ኵላትኩም እናዘከረልቡ ኣዝዩ ናባካትኩም ኣቕሊቡ አሎ።

16. ብዅሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጕስ እየ።