1. እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።
2-3. ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ አሎና።
4. ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር አሎና።
5. ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበና፡ ኣምላኽ እዩ።
6-7. ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።
8. ግናኸ እሙንቶ አላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ አሎና።
9-10. ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና።
11. እምብኣሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም አሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሃድናውን ተስፋ እገብር አሎኹ።
12. ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኪህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም አሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቍበኩም ኣይኰንናን።
13-14. እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና።
15. ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም እምንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።
16. ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።
17. ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
18. እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።
19. ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
20-21. ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...