1. ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእየይ ናብ ምግላጽ ጐይታና እሐልፍ አሎኹ።

2. ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈእፈልጥ አሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።

3. ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡

4. ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።

5. በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ።

6. ክምካሕ እንተ ዝደልስሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዓሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዘርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚስምዖን ከይሐስበኒሸለል ኢለ እሐድጎ አሎኹ።

7. ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።

8. እዚ ኻባይ ኪርሕቕብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ

9. ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

10. እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳርብምስጓጕብጸበባ እሕጐስ እየ።

11. ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስካትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ።

12. ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባካትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ

13. ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፡ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ።

14. እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣካትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይክብደልኩምን እየ።

15. ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጕዲልኩም ተፍቅሩኒ አሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ።

16. እስከ ዝዀነ ይኹንብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን

17. በቶም ናባካትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፡

18. ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሓው ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣሰኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን

19. ንርእሰና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይኵሉ ንምህናጽኩም እዩ።

20. ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲቅንኢኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜትሕሽዅሽዅምንፋሕህውከት ከይህልወኩም እፈርህ አሎኹ።

21. ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጕሂ፡ እፈርህ አሎኹ።