1. ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ።
2. ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።
3. ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።
4. ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ አሎኹም።
5. ኣነ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያ ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን።
6. ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና።
7. ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧
8. ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን።
9. ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰአንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዅሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ አሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ።
10. ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን።
11. ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ።
12. ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ።
13. ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።
14. ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
15. ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።
16. ከም ብሓድሽ ከኣ እብል አሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።
17. እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኹ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ።
18. ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ።
19. ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም አሎኹም።
20. ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሓጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም።
21. ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል አሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ካልእ ዚደፍረሉ፦ ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፦ ኣነውን እደፍር እየ።
22. እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ።
23. ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ።
24. ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ።
25. ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዓልኩ።
26. ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ።
27. ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ።
28. ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ።
29. መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ዘይኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧
30. ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ።
31. እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ።
32. ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐለዋ፡
33. እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...