1. ጳውሎስብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን

2. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን

3. ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕንይባረኽ

4. በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።

5. ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ።

6. ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ።

7. ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥናተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ።

8. ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደናክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና።

9. ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።

10. ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና።

11. ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና አሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም።

12. ትምክሕትናብጥበብ ስጋ ዘይኰነስብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩምብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ።

13-14. ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስካትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር አሎኹ።

15. ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተአሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ

16. ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስካትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ።

17. እምብኣርሲ እዚ ምስሐስበኩብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲእቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧

18-19. እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽየሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን።

20. ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ።

21-22. ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።

23. ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ንምስክር ኢለ ኸም ዝዀንኩኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ አሎኹ።

24. ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐሰኹም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን