ምንባር ንመን?

Posted on 2012-05-12 · 1147 · 0 · 1

3 resources uploaded

አቲ ውልድ ምስ በልኩ
አሞ ምስ ጎበዝኩ
መልክዕ’ውን ተዓደልኩ
ኣቤት ሽዑ እዩ ዝጅምር
ኣነ ድኣ እንዳበልኩ ምጅሃር
ብስራሕ ተዓወትኩ
ሓለፈት’ውን ተበሃልኩ
ተፈታውነት ነበረኒ
ክቱር ድሌት ሓደረኒ
ጕየ ሕሱም ጉያ
ኣብ ናይ ውድድር መጻወድያ።

ግን…
ኣይተዓወትኩን ምኽንያቱ
ምጉያየይ ብስጋ ኣይነበሮን ዋጋ
እንታይ ደኣ … ንኽርእይ ሃብቲመ
ልዕሊ ኩሉ’ውን ክስመ
እሞ የለን።

ግን ፍታሕ መጺኡ
ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ
ክረድኣኒ ንዓይ
አቲ ድኻም ምስ መረረ
እቲ ውድቀት ምስ ሰዓረ
ኣጉረምሪመ ኣታ ኣምላኽ በጃኻ’ውን ኢለ
እቲ ዝጕየኽዎ ብስጋ
ረሲዐ ምዃኑ ብጸጋ
እቲ ናተይ መወዳእታ
ኮነ ናይ ኣምላኽ መገመርታ…ክብሪ ንስሙ!

መንፈሳዊ የዒንተይ ተኸፍተ
ናብቲ ስለይ ዝሞተ ጠሚተ
እዚ ኩሉ ፍቕርስ ንዓይ ሓጥእ ናብ ነብሰይ ኣመልኪተ
ልበይ ተሳዕረ ኢደይ ንላዕሊ ጌረ
ዎ የሱስ መሓረኒ ኢለ…
ለካ ኣንጻር እየ ኪጐይይ ጸኒሐ
ናብ ጌጋ ድሌተይ ኣምሪሐ።

ሕጂ ግን…
ተመስገን ዓይነይ ተኸፊቱ
እነብር ብጐይታ ብምሕረቱ
ምስ ፈለጥኩ ፍቕሪ ናቱ
ተሳዒረ ክብሪ ንስሙ
ኣሕዋተይ ንመን ትጐዩ?

1 comments

ክብሪ ንጎይታ ይኹን። ጎይታ ይባርኽኪ ሰናይት ሓብተይ። ኹሉ ካብአኡ፡ ኩሉ ብኣኡ፡ ኩሉ ድማ ንዑኡ ይኹን። ጽቡቕቲ ድርሰት፡ ተነቓቕሕ። በርትዒ፡ ጎይታ ድማ ሓሓድሽ ግጥምን ምግላጽን ይሃብኪ። ንበረኸት ኩኒ። ኩሉኹም ተንብብዋ ድማ ተባረኹ።
Other Poem