ፍቕሪ የሱስ ንሰብ

Posted on 2013-06-10 · 975 · 0 · 0

30 resources uploaded

1.ስማዕ እሞ ክነግረካ
ዘይፈለጥካ እንተ ኴንካ
ኣቕልበሉ ነዚ ዝብለካ
ጠቓሚ እዩ ንህይወትካ

2.ሓደ ኣሎ ዝገደሰልካ
ከይፈለጥካዮ ዝፈለጠካ
ከይጸዋዕካልዮ ዝጽውዓካ
ከይደለኻዮ ዝደልየካ
ከይመጻእካዮ ዝመጸካ

3.ከይሓሰብካዮ ዝሓስበካ
ከይተፈጠርካ ዝመደበካ
ዝፈልጠን ንኹለን መዓልታትካ
ተድልኡ ዝኾነ ጥርያ ብኣኻ

4.ከየፈቀርካዮ ዘፍቅረካ
ጸላኢኡ ከለኻ’ኳ ዝዕረቐካ
ብዕላማ’ዩ መጽዩ ናባኻ
ሃረርታኡ’ዩ ኩሉ ግዜ ብኣኻ

5.ናብኡ ክትመጽእ ይዕድመካ
ኣእዳዉ ዝርጉሓት’የን ንምድሓንካ
ፍቕሩ ንዓኻ የብሉን መጀመርታ
ምሕረቱ’ውን የብሉን መወዳእታ

6.ፍቕሩ ንሰብ'ዩ ደሪኽዎ
ንኣኻ ክግደሰልካ ጌርዎ
ብፍቕሪ ይጽውዕ ኣሎ
መልሲ ሃቦ'ኻ ብተሎ

0 comments
Other Poem