ዓይኒ ፍቕሪ

Posted on 2012-05-15 · 1110 · 0 · 0

3 resources uploaded

ነቲ ጸሊም ከም ጻዕዳ
ነቲ ጎቦ ከም ሜዳ
ነቲ ረሳሕ ጽሩይ
ነቲ ጠዋይ ዕሩይ
ነቲ ክፉእ ጽቡቕ
ነቲ ፍሩይ ደቂቕ
ነቲ ሒደት ብዙሕ
ነቲ ጭቡጥ ዝርጉሕ
ነቲ ነዊሕ ሓጺር
ነቲ መሪር ምቁር
ነቲ ሕስረት ክብረት
ነቲ ጥሜት ዕግበት
ፍቕሪ አንተ’ሎ ኢኻ ትኽእሎ
ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ’ሞ
ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ኸኣ የፍቕር!

0 comments
Other Poem