ኣምላኸይ'ሲ

Posted on 2012-06-28 · 1079 · 0 · 0

3 resources uploaded

ንሱ እቲ ዘሎ ኣብ ዙፋኑ
ካብ ሰማያት ዝረድኣኒ ፈጢኑ

ዓቢ ግርማኡ ዘደንቅ
ክነሱስ ንትሑት ዝይንዓቕ

ኣይገርምንዶ ኣይደንቕን ነገሩ
ንትሑታት የልዕሎም መታን ክኸብሩ

ሃብታም ከምዝኾንዎ ኣይኾነ ባህሪኡ
ካብ ኦም ዝርሕቅ ድኻታት ተሪኡ

ገሪሙኒ ዘሎ ኣብቲ ጽሑፍ
ክይፈላለየ ዘፍቅር ንኹሉ ዝሓፍ

ኣነ'ውን እዚ ምስ ኣንበብኩ
ምስኡ ክነብር'የ ዝወስንኩ!!

0 comments
Other Poem