ዘይርአ

Posted on 2012-12-12 · 1159 · 0 · 0

30 resources uploaded

ቀደምሲ ብዝዕባኻ ይሰምዕ ነይረ
ሕጂ ግና ነፍሰይ ባዕላ ጥዕማትካ
ዓይነይውን ርእያ’ያ ግብሪ ትኣምራትካ
የሱስ ጥዑም ኰንካ ረኺበካ
ጥዑም ኢኻ የሱስ ጐይታ

ብዙሓት ምርኣይ ምእማን’ዩ ክብሉ
ኣነ ግና ነቲ ምእማን ምርኣይ’ዩ ዝብል ቃሉ
ብእኡ ክምራሕ ፈትየ መሪጸዮ ኣለኹ
ኣሚነ’የ ህይወት ከም ዘላ ኣብኡ
አረ ፈሊጠ’የ ህይወት ከም ዝረኸብኩ ብቓሉ

ብዙሓት’ዮም ኣበይ ኣሎ ኣምላኽ ዝብሉ
ጸሓይ ትዓርቦም ከይርኣይዎ ንእኡ
ኣነ ግና ከይርኣኽዎ ኣሚነ ብእኡ
ከም ዘሎ ንሱስ ምስክር’ዩ ባዕሉ

የሱስ እኮ’ዩ እቲ ጐይታ ኹሉ
ከይርኣየ ዝኣምን ብጹእዩ ዝበለ ኣብ ቃሉ
ንምንታይ ኣድለየ እዚ ብዙሕ ምሕታት
ብእኡ ምእማን’ዩ ‘ኮ ዘውህበካ ህይወት

እግዚኣብሄር እዩ ኣምላኽ ሓቂ
ዝፋኑ ዝገበረ ብጽድቂ
የሱስ እዩ እቲ መንገዲ ሓቂ
መንፈሱ’ውን እዩ’ቲ መንፈስ ሓቂ
በዚ ዘይርአ ጐይታ ምእማን’ዩ እቲ እምነት ሓቂ

(God is unseen but existing)
መጋቢት 2007

0 comments
Other Poem